Friday , May 10 2024

ኮረና ቫይረስ

May, 2021

  • 21 May

    ሃገረ ስፓኛ፡ ንበጻሕቲ ኣፍደጊኣ ትኸፍት

    ካብ ዕለት 07 ሰነ ጀሚራ፡ ሃገረ ስፓኛ፡ ንኹሎም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዝደልዩ ዝተኸትቡ ገያሾ፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ይኹን እምበር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ግን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ ስፖኛ፡ ሓቢራ። ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ቱሪዝም ኣብ ስፓኛ፡ ክሳብ 60% …

  • 21 May

    ሃገረ ኖርወይ፡ ቀይድታት ኮሮና ክተፍኩሶም ምዃና ሓቢራ

    ሃገረ ኖርወይ፡ ነቲ ኣብቲ ሃገር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ቀይድታት ኮሮና ኣተኣታትያ ምጽናሓ ይዝከር። ኣቐድም ኣቢላ፡ ኖርወይ፡ ነቲ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቀይድታት ኮሮና፡ በብቁሩብ እናገበረት ኣብ ኣርባዕተ መድረኻት ከተልዕሎ ምዃና ገሊጻ ነይራ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ መፋርቕ ናይ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብተን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ዝቐነሰለን ቦታታት፡ ቀዳማይ መድረኽ ምፍኳስ ቀይዲታት ኮሮና ጀሚራ ነይራ። ኣብ ዕለት 27 ግንቦት ድማ ካልኣይ …

  • 21 May

    ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ነቶም ኣብ 1976 ዝተወልዱ ተቐማጦ፡ ክታበት ትጅምር

    ተቐማጦ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝኾኑ ኣብ 1976 ን ቅድሚኡን ዝተወልዱ፡ ካብ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 21/05/2021 ጀሚሮም፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንክኽተቡ፡ ብመንገዲ እቲ ልሙድ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ወይ ድማ ብቴሌፎን፡ ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት’ ቲ ምምሕዳር ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ራባዓይ መድረኽ ክታበት፡ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ብዕለት 04 ግንቦት ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 65% ናይቶም …

  • 21 May

    ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ “ንቀጠልያ ፓስፖርት” ተሰማሚዐናሉ

    ፓርላማ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብዛዕባ ናይቲ ብቀጠልያ ፓስፖርት ዝፍለጥ ናይ ክታበት  ኮቪድ-19 ምስክር ወረቐት ብዝምልከት ድሕሪ ዘካየድዎ ነዊሕ ዝርርብ፡ ከም ዝተሰማምዑ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ናይ “ቀጠልያ ፓስፖርት” ስምምዕ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ እቲ ምስክር ወረቐት ኣብ ፈተነ ክውዕልን ካብ ዕለት 01 ሓምለ ጀሚሩ ድማ ኣብ ስራሕ ክውዕል ምዃኑ ተሰማሚዖም ኣለዉ። እዚ ስምምዕ፡ ንነጻን ውሑስን ምንቅስቓስ ናይ …

  • 20 May

    ንኣፍሪቃ ተባሂሉ: ዝያዳ ቀረብ ክታበት ኮቪድ: ክዳሎ UN ጸዊዑ

    ሃገራት ኣፍሪቃ: ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ንኸረጋግጻ: ዓለምለኸ ሓገዝ ከም ዘድልየን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ከም ዝገበረ ቢቢሲ ሓቢራ። ኣፍሪቃ: ዛጊት 2% ናይቲ ንዓለም እተዳለወ ክትባት ጥራይ ከም ዝወሰደት: ብምሉእ ምስምማዕ እቲ ባይቶ ዝጸደቐ ሓደ ጽሑፍ የረጋግጽ። “ጽቡቕ ውሑስ ውጽኢታውን ምዕሩይ ዋጋ ዘለዎን ሕክምናን ክታበት ኮቪድ 19 ን ናብ ኲሉ ክባጻሕ ኣለዎ” ይብል እቲ ሰነድ። ዋና ጸሓፊ UN: …

  • 20 May

    ሃገረ ማላዊ: ግዚኡ ዝሓለፈ ክታበት ኣቃጺላ።

    ሃገረ ማላዊ: 19,610 ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘነካ ብምቅጻል: ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ዝወሰደት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና’ላ። ግዜኦም ዝሓለፎም ክትባት ውጽኢታውያን ኣይኮኑን ዝብል ምኽሪ: ማእከል ምቊጽጻር ሕማም ኣፍሪቃ ብምኽታል: ነዚ ስጒምቲ ምውሳዳ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ኔሽን ኦንላይን ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር: እቲ ክትባት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ሊሎንግወ: እናተቓጸለ ዘርኢ ስእሊታት ፈንዩ’ሎ።

  • 20 May

    ምምሕዳር ቨስተርቦተን: ምፍኳስ እዋን ቀይድታት ኮሮና ተናውሕ

    ኣብ ምምሕዳር ቨስተርቦተን: መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዘይምጉዳሉ: ቀይድታት ኮሮና ክፎኽሰሉ ዝተሓስበ እዋን ናብ 31 ግንቦት ከምዝተናወሐ: ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ:: ኣብ ምምሕዳርና ዝርከቡ ነበርቲ: ምስ ብዙሓት ሰባት ናይ ዘይ ምርኻብ መምርሒታት ብምኽባር ከተግብርዎ ከምዝግባእን ናብ ማእከል ዕዳጋታት ብብዝሒ ምኻድ ከቃርጹን ካብ ገዛ ክሰርሑን ይግባእ ክብል ሓኪም ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ ምምሕዳር: ስተፋን ስተንማርክ: ኣብ ዘካየዶ …

  • 19 May

    ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን፡ ምሉእ ክታበት ኮቪድ-19፡ ተኸቲቦም

    ኣብ ሽወደን፡ 1.05 ሚልዮን ሰባት፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉን፡ 14,301 ከምዝሞቱን ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ክሳብ ሕጂ፡ 4.3 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ ክታበታት ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ፡ ጸብጻብ ምምሕዳራት ሽወደን ሓቢሮም ኣለዉ። ኣስታት 3.3 ሚልዮን ሰባት፡ እንተወሓደ ሓደ ግዜ ተኸቲቦም ከምዘለዉን 1.02 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ድማ ምሉእ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸትቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ብገምጋም ክረአ እንከሎ፡ ኣስታት 40.3% …

  • 19 May

    ኬንያ: ቀረብ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ከም ዝወድአት ይግለጽ ኣሎ

    ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን: ኬንያ ዘለዋ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ከም እትውድእ፡ ሓይሊ ዕማም ክታበት እታ ሃገር፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኬንያ፡ ካብ 3.5 ሚልዮን ናይ ኣስትራዜነካ ክታበት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብልቃጥ፡ ረኺባ ምጽንሓ ዶ/ር ዊሊስ ኣኽዋሌ ይገልጽ። ዛጊት፡ ልዕሊ 940 ሽሕ ኬንያውያን ከቲብና ኣሎና፡ ስለዚ ድማ፡ ዘሎና ቀረብ ጓሕጒሕናዮ ኢና” ኢሉ። እዚ ማለት ትሕቲ 2% ኬንያውያን ቀዳማይ ብልቃጥ ክትባቶም ረኺቦም ኣለዉ ማለት …

  • 19 May

    ስዑዲ ዓረብ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ረቛሒ ተቐምጥ

    ካብ ዕለት 01 ናይ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተኸትቡ ጥራይ ክኾኑ ከምዝግባእ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ መንግስታውያንን ውልቃውያን ትካላትን ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ውን፡ ክታበት ከም ረቛሒ  ክቑጸር ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ። ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ 34 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለውዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ 12 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com