Thursday , May 9 2024

ምምሕዳራት ቬስተሞንላንድን ጎትላንድ፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ይጅምራ

 

ምምሕዳራት ቬስተሞንላንድን ጎትላንድ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ክጅምራ ምዃነን ኣፍሊጠን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብዝሑ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ክታበት፡ ቆጸራታት ክሕዙ ዝግበኦ ሰባት ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ነጻ ዝኾነ ናይ ክታበት ግዜ፡ ክንጥቀመሉ ስለዝግበኣና፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም፡ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 55 ክሳብ 59 ዓመት ዘለዉ ሰባት፡ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ንምጅማር፡ ቆጸራ ክሕዙ ከም ዝኽእሉ ኣብ ምምሕዳር ቬስተሞንላንድ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ሕክምናን ሓላፊ ክታበትን ዝኾነ ዮሃን ኤክስትሮም ገሊጹ።

ራብዓይ መድረኽ ክታበት፡ ንኹሎም ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝምልከት ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ተነቃፊ ጥዕናዊ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ዘጠቓልል ከምዘይኮነ ይፍለጥ። ኣብ ምምሕዳር ቬስተሞንላንድ፡ 105 ሽሕ ተቐማጦ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣቐድም ኣቢለን፡ ምምሕዳራት ስቶክሆሎም፡ ቬስትራጎትላንድ፡ ቮርምላንድ፡ ካልማር፡ ዮንሾፒንን ኖርቦተንን  ራብዓይ መድረኽ ክታበት ከምዝጀምራ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com