Friday , May 10 2024

ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ፡ ናይ ኮሮና ምስክር ወረቐት ከተተኣታቱ ትዳሎ

 

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ሰነ፡ ሃገረ ኖርወይ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ኮሮና ምስክር ወረቐት ንኸተታኣታቱ ትዳሎ ምህላዋ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ አርና ሶልቤሪ፡ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ናይ ኖርወይ ምስክር ወረቐት፡

  • ስም
  • ዕለተ ልደት
  • ኩነታት ክታበት ( ተኸቲቡ ድዩ ኣይተኽትበን)
  • ኩነታት መርመራ ኮሮና ( ኣሉታዊ ወይ ኣወንታዊ ኩነታት መልከፍቲ)
  • ኩነታት ጸረ ኣካል ( ኣንጻር ኮሮና ዘማዕበሎም ጸረ ኣካል)

ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ዝሓቖፈ ክኸውን እዩ ክትብል እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትሕብር።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት ርብዒ ዜጋታት ኖርወይ፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝተኸትቡ ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ምስክር ወረቐት፡ ሰባት፡ ናብ ዓበይቲ ህዝባዊ ኣጋጣሚታት፡ ህዝባዊ በዓላትን ብመርከብ ምጉዓዝን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ምስታፍ ዝሕግዝ ክኸውን እዩ ክትብል፡ ሶልቤሪ፡ ደምዲማ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com