Friday , May 10 2024

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከባ እንዳ መእለይ ዓበይቲ፡ ንመጀምርታ እዋን፡ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘየመዝገባ ተሓቢሩ

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝርከባ እንዳ መእለይ ዓበይቲ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ንፈለማ እዋን ፡ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘየመዝገባ፡ ሚት ኢ ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዝሓለፈ እዋን፡ ቅድሚ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ምጅማሩ ውን፡ ኣብ እንዳ መእለይ ዓበይቲን ህንጻታት ኣገልግሎትን፡ ዝተረኽበ ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮና ከምዘይነበረ ይዝከር። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ብግዝያዊ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ሓንቲ ጉጅለ እናጠርነፍካ ነቲ ስራሕ ይዕመም ነይሩ።

ሰራሕተኛታትን በጻሕትን፡  ከምቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣካይዳን ጥንቃቐን ተኸቲሎም ክጓዓዙ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ እንዳ መእለይ ዓበይቲ፡ ከምእንደገና ለበዳ ኮሮና ክረአ ተኽእሎታት ኣሎ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ግን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብጽኑዕ ናይ ምሕማም ተኽእሎታቶም ትሑት ክኸውን ትጽቢት ኣለና ክብል፡ ከንቲባ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ኤሪክ ስሎትነር፡ ምስ ሚት ኢ ስቶክሆልም ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com