Friday , May 10 2024

ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት፡ ትሑት መጠነ ክትባት ከም ዘለወን ተሓቢሩ

 

ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ኣብ ምኽታብ ዘርእይዎ ዘለዉ ቅሩብነት ትሑት ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ጽድያ ጎሊሑ ከም ዝተራእየ ኣወሃሃዲ ክታበት ምምሕዳር ስኮነ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ወከልቲ ርእሰ ከተማ ምምሕዳራት ሽወደን ምስ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሎሚ፡  ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ውሱናት ከባቢታት፡ ትሑት መጠነ ክትባት ዘስዓቦ ትሑት ዓቕሚ ጸረ ኣካል ምስ ዝህሉ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ከም እንደገና ናይ ምኽሳት ተኽእሎታቱ ዓቢ ክኸውን እዩ ክብል ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ፔር ሃግስታም፡ ምስ ማዕከን ተተ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ምምሕዳር ስኮነ፡ ኣብ መንጎ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ምንጽጻር ምስ ኣካየደ፡ እቶም ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም፡ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎምን መብዛሕትኦም ኣብ ደገ ዝተወልዱ ዝቕመጥሉ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ዝነብሩን እቶም ዝወሓዱ ዝተኸትቡ ሰባት ኮይኖም ምርካቦም ገሊጹ። እቶም ኣብ ከም በዓል ሮሰንጎርድን ፎሴ (ማልመ) ዝነብሩ ሰባት፡ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ኣብ ዘካየዶ ምንጽጻር፡ ኣብ ብሮማ ዝነብሩ፡ 85% ክኽተቡ እንከለዉ፡ ኣብ ሪንኪቢን ሽስታን ዝነብሩ ግን 67% ጥራይ ከምዝተኸትቡ እቲ መነጻጸሪ ኣብሪሁ ክብል ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዘቃልሖ ገሊጹ።

ኣብ ደገ ዝተወልዱ ሰባት፡ ንማዕከናት ዜና ሽወደን ይኹን ማዕከን ሓበሬታታት ሽወደን ገዲፎም፡ ንማዕከናት ዜና ናይተን ዝመጽኡለን ሃገራት ጥራይ ይሰምዑን ይከታተሉን ምህላዎም ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዋሕዲ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ሃግስታም፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com