Monday , May 20 2024

መስርሕ ፍቓድ ስራሕ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዘሳልጥ ኣሃዱ ከቕውም እዩ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ብምስራዝ፥ ኣብ ክንዳኡ ልዑል ክኢላዊ ዓቕሚ ንዘለዎም ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መስርሕ ዘሳልጥ ኣሃዱ ከቕውም እዩ። "በቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ፡ ኲባንያት ሽወደን ዝደልያኦም ሰራሕተኛታት ወጻኢ ፍቓድ ስራሕ ንክረኽቡ ብማእከላይ ገምጋም ክሳብ 4 ኣዋርሕ ክጽበያ ጸኒሐን እየን። ምስ ልዑል ጠለብ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ወጻኢ፥ ሽወደን በቲ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ክትቅጽል ኣይትኽእልን እያ። በዚ ሓድሽ ውደባ ናይ …

Read More »

“ሎሪን ንግስቲ እያ”–ሓደ ተወዳዳራይ “ዩሮቪዥን”።

ሽወደናዊት ሎሪን ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ናብ ናይ ፍጻመ መድረኽ ሓሊፋ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ተዓዋቲት ዝነበረት ሎሪን ኣዝዮም ብዙሓት ፈትወቲን ደገፍቲን ዘለዉዋ ኣርቲስት እያ። ብዘይካዚ ብኻልኦት ተወዳደርቲ ተፈራሂትን ተደቒትን እያ። ኣብዚ ውድድር ካብ ማልታ፡ ኣይስላንድ፥ እስራኤል፥ ኢጣልያ፡ ፊንላንድ፡ ንነዘርላንድስ፥ ኣውስትራልያን ካልኦትን ዝመጹ ተወዳደርቲ ተሳቲፎም እዮም። ሬድዮ ሽወደን ኣብቲ ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ ከተማ ሊቨርፑል ንገለ ካብዞም ተሳተፍቲ …

Read More »

ሚስጥራት ሰራዊት ሽወደን ዝዘረወ ሰብኣይ ተኸሲሱ።

ኦንላይን ፎረም ዘመሓድር፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከብ ሽወደናዊ፥ ሚስጥር ወተሃደራዊ ኣውታራት ሰራዊት ሽወደን ብምዝራዉ፥ ብዘይሕጋዊ ምብኻን ሚስጥራዊ ሓበሬታ ተኸሲሱ። “እቲ ዝባኸነ መረዳእታ፡ ኣብ ምክልኻል እታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ጒዳያት ዝሓዘ ምንባሩ” ገዲም ኣኽባር ሕጊ ላርስ ሄድቫል ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ሰብኣይ ነዚ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ናብ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ስለ ዘይሃበ ብስለያ ኣይተኸሰሰን። እቲ ሰብኣይ ነቲ ሚስጥር ንኻልእ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 12-05-2023

Read More »

aktuellt Del 2 ናይ ሎሚ መደብ ብዛዕባ ምቛም ማሕበራትን ኣጠቓቕምኡን

Read More »

ሚኒስተር ፋይናንስ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበላ ሕቶታት ኣብ ግዜኡ ኣይትምልስን እያ ተባሂላ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ኤልሳቤጥ ስቫንሰን ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐርበላ ሕቶታት ንምምላስ ነዊሕ ግዜ ትወስድ እያ ብምባል ተገዚዛ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ባይቶ፥ ብጽሑፍ ንዘቕረቡላ ሕቶታት ን ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ከይተመለሰሎም ምሕላፉ ገሊጾም ኣለዉ። ኣባል ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ኣቦመንበር ኮሚተ ቀረጽ ባይቶን ኒከላስ ካርልሰን፥ ነዚ ነቐፌታ ካብ ዘቕረቡ ኣባላት ባይቶ ሓደ እዩ። ኣብ 19 መጋቢት፥ መንግስቲ ካብ ቀረጽ ክኽወሉ ንዝሓስቡ ኣመልኪቱ ሓድሽ …

Read More »

“ሽወደን ዜጋታት ብሪጣንያ ንዓዶም ክለቁ ዝገበረት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና እዩ ኔሩ”-ዩሮስታት።

ካብ ምኽሳት ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ሽወደን ካብ ካልእ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዝለዓለ ዜጋታት ብሪጣንያ ካብ ሃገራ ምስጓጓ፡ እንተኾነ ግና እዚ ምስጓጒ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ለበዳ እተተሓሓዘ ምንባሩ፥ ስታቲስቲክስ ኣውሮጳዊ ሕብረት “ዩሮስታት” ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዝ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ዩሮስታት ዝዘርግሖ ኣሃዛት ሽወደን ኣብ ዓመታት 2021 ከምኡ’ውን 2022 ብልክዕ 1,100 ዜጋታት ብሪጣንያ ምስጓጓ፡ እዚ ድማ ብቐጥታ ምስ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ …

Read More »

aktuellt Del 2 ናይ ሎሚ መደብ ብዛዕባ ምቛም ማሕበራትን ኣጠቓቕምኡን

Read More »

ኣብ ካምፓስ ማኒላ ስርዓታዊ ዓሎቕ ይፍጸም እዩ ተባሂሉ።

ኣስታት 20% ካብ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካምፓስ ማኒላ–ስቶክሆልም–ኣብ ዲጂታላዊ ናይ ጽሑፍ መርመራ ስርዓታዊ ዝኾነ ዓሎቕ ይፍጽሙ እዮም ተባሂሎም ከም ዝጥርጠሩ፥ ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ጸብጺባ። 51 ካብ 260 ተማህሮ ኣብቲ ስርዓተ ዲጂታል ንዘሎ ናይ ሰኲሪቲ ነዃል ብምምዝማዝ ነዚ ዓሎቕ ይፍጽሙ ምህላዎም፥ ውሽጣዊ መርመራ ገሊጹ’ሎ። ሓደ መምህር ነዚ ኲነታት ኣመልኪቱ ነቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምትሕስስሳቡ፥ ዝሓለፈ ሰሙን መርመራ ምክያዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። …

Read More »

ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ናብ ሃገሮም ክስጐጒ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኣስታት 100 ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፥ ናብ ሃገሮም ክስጐጒ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ። እዞም ፊሊፒናውያን ብ ኲባንያ ኣቴንዶ ኣብ ሽወደን ክሰርሑ ዝሰልጠኑ ምዃኖም ኣገልግሎት ተሌቪዥን ሽወደን SVT ጸብጺባ። “ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፥ ቋንቋ ሽወደን ኣጽኒዖም ኣብ ሽወደን ብነርስነት ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ብ ኣቴንዶ ዝወጸ መወዓውዒ መጋገዪን ንሕጊ ዝጠሓሰን እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን፥ ኤጀንሲ ስደተኛታት ገሊጹ። በዚ ድማ፥ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com