Saturday , May 18 2024

ኣብ ኦስተርሹንድ ጽምዋ ንምቅላስ ዝሕግዝ መናብር ተተኺሉ።

ከተማ ኦስተርሹንድ ፍሉያት ብጫ ዝሕብሮም 'መናብር ዕላል' ተኺላ ። እዞም መናብር ኣብ ሽወደናውያን ዘሎ ክቱር ጽምዋን ናይ ብሕታውነትን ህይወት ንምምካት ክሕግዙ እዮም ዝብል ተስፋ ተነቢርሎም ኣሎ–ብመሰረት ፖለቲከኛ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ኮሚተ ጥዕናንን ድሕነትን ሽወደን ማርጋረታ ቪንበሪ። ኣብዘን መናበር ኮፍ ምባል ምስ ሓደ ሰብ ከተዕልል ከም እትደሊ ዘመልክት እዩ። “ኲሉ ሰብ ክንገር ዝኽእል ዛንታ ኣለዎ” ትብል ቪንበሪ ምስ ሬድዮ ሽወደን …

Read More »

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዜጋታት ሽወደን ክጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ቁርኣን ምቅጻል ዘጠቓልል ሰልፊ ዝወደበ ሰብኣይ፡ ኣንጻር ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ናዕቢ ምልዕዓል ዝብል ወንጀል ፈጺሙ ከይከውን ብ ፖሊስ ይምርመር ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጸረ ሽወደናዊ ስምዒት ብናህሪ ኣብ ልዕሊ ምምዕባሉ፣ ፍርያት ሽወደን ክእገዱ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ። በዚ ድማ ኣብ ባቕዳድ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሽወደን ብጸጥታዊ ምኽንያት ናብ ስቶክሆልም ከም ዝተመልሱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ …

Read More »

ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት፥ ብሓድሽ ደረት ደሞዝ ይሻቐሉ።

ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኮኑ ግና ፍቓድ ስራሕ ዝረኽቡ፡ ወይ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ፍቓዶም ከናውሑ ዝደልዩ ሰባት ዝምልከት ሓድሽ ደረት ደሞዝ ኣብዚ ቀውዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ሓድሽ ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ወርሒ 26,560 ክሮና ክኸውን እዩ። በዚ ድማ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይኮኑ ሰባት ናይ ስራሕ ፍቓዶም ንኽሕደስ ወርሓዊ ኣታዊኦም ካብዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ ዝበዝሕ ክኸውን፡ ወይ ድማ …

Read More »

ኣስታት 1000 መድሃኒታት ዋጋኦም ክኸብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣስታት 1000 ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ዋጋኦም ክኸብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኤጀንሲ መልዕሎ ስኒን መድሃኒትን ሸወደን ፥ ፋርማሲታት ንፍርያት ዝኸፍላኦ መጠን ክልዕል ብምግባሩ እዩ እዚ ክብሪ መድሃኒታት ተኸሲቱ ዘሎ። እቲ ኤጀንሲ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከምኒ ጸረ-ተሃዋስያን –ኣንቲባዮቲክስ–ዝመሰሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ መድሃኒታት ተረከብቲ መታን ክኾኑ እዩ ክትብል ሓላፊት እቲ ትካል ሴሲልያ ፍሮስተጋርድ ትገልጽ። እዚ ገደብ ዋጋ ክልዕል እንተዘይተጌሩ፥ ሽወደን ዝተወሰኑ መድሃኒታት ጠቕሊላ ክትስእን …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -21-07-2023

Read More »

ኦረብሮ፥ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ተቐቲሉ።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮሙን ኦረብሮ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ተወቒዑ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ምሟቱ ተገሊጹ። እቲ ተኹሲ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ከባቢ እትነብር ሓንቲ ኣደ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ደቃ ንበይኖም ምውጽኦም ኣሻቒልዎ ምንባሩ ፡ ንናይ ከባቢ ቻነል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን፡፡

Read More »

ኣምባሳደር ሽወደን ካብ ዒራቕ ክወጽእ ተኣዚዙ።

ከም ግብረመልሲ ናይቲ ትማሊ ሓሙስ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ዒራቕ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰልፊ፥ ዒራቕ ኣብ ባግዳድ ዝርከብ ኣምባሳደር ሽወደን ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ’ላ። ብዘይካዚ ዒራቕ ኣብ ሽወደ ንዝርከብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት (ቻርጅ- ዲፌ) ናብ ዓዳ ጸዊዓ’ላ። ብተወሳኺ ሽወደናዊ ኩባንያ ኤሪክሰን ኣብ መሬት ዒራቕ ንኽሰርሕ ተዋሂብዎ ዝነበረ ፍቓድ ከም ዝሰሓቡ ቻነል ዜና ኣል-ዓረብያ ሓቢሩ። ፖሊስ ስቶክሆልም ነቲ ሰልፊ ክካይድ ምፍቃዱ፡ እዚ …

Read More »

ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ኣብ ገዛኢ ጥምረት ምህላዉ ምቾት ከም ዘይሃቦ ተገሊጹ።

መሪሕነት “ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን”፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ዝምራሕ ጥሙር መንግስቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ንምዝታይ ትማሊ ተጋቢኡ። “መሪሕነት ሰልፊ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉጅለ ባይቶ ዝተቐበሎ መርገጺ ከም ዝሰማማማዕን፥ እቲ ኩነታት ከም ዘይተቐየረን ኣስተብሂሉ’ሎ። ኣብ መንጎ ኣርባዕቲኦም ኣቦ መንበራት ውድባት ዘተ ክቕጽል እዩ” ክትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና-ማጃ ሄንሪክሰን ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እቲ ኣኼባ ንመሪሕነት ሰልፊ ብዛዕባ መንግስቲ ሓበሬታ …

Read More »

ሰነድ መንነት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ክግበር እዩ።

መንግስቲ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት፣ ባቡራትን ጀላቡን ናብ ሽወደን ከይጓዓዙ ክኽልክል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ዝምልከት እማመ ንኽምርመር ናብ ዝምልክቶም ተላኢኹ ኣሎ፡ እዚ ማለት ድማ ​​መንግስታዊን ካልኦትን ትካላት ብዛዕባኡ ርእይቶኦም ከካፍሉ ዕድል ክወህቦም እዩ። እቲ ሕጊ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ብምእታዎም፥ ክኽሰት ዝኽእል ምዝባዕ ህዝባዊ ስርዓትን ውሽጣዊ ድሕነት ንምሕላው ኣብ ጠቕሚ ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2015 ሽወደን ኣዝዮም ብዙሓት …

Read More »

ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ብቢልዮናት ክሮና ይኸስባ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ብድምር፥ ልዕሊ 50 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ረኺበን። ሃንድለስባንከን 8.8 ቢልዮን፥ ኖርዲያ 19.9 ቢልዮን፥ ኤስኢቢ 12.1 ቢልዮን ፥ ስዊድባንክ ኸኣ 11.4 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ኣመዝጊበን ኣለዋ። ጠቕላላ መኸሰብ እዘን ባንካታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 50 ቢልዮን ክሮና ኮይኑ፡ መዓልታዊ ብድምር 500 ሚልዮን ክሮና መኽሰብ ይረኽባ ምህላወን ዘመልክት እዩ። መኽሰበን …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com