Sunday , May 5 2024

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ዓቢ ምንቁልቋል ደገፍየጋጥሞ

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ኣብ መንግስቲ ካብ ዘለዋ ሰለስተ ሰልፍታት እተን ክልተ፥ክርስትያናዊ ዲሞክራሲን ሊበራላን ሎሚ ምርጫ እንተዝካየድ ናብ ባይቶ ንምእታው ካብ ዘድሊ ናይ 4% ደረጃ ንታሕቲ ይርከባ።እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ብስም ኣግልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደንብኢንዲካተር ኦፒንዮን ዝተኻየደ ናይ ድምጺ ዳህሳስ እዩ።ብመሰረት እዚ ዳህሳስ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ 2.6% ድምጺኣመዚጊቦም ኣለዉ፡፡ እዚ መጠን ድምጺ ካብ ኩሎም ኣብ ባይቶዘለዉ ሸሞንተ ውድባት እቲ ዝወሓደ ደገፍ እዩ። ብኣንጻርዚ ጸጋማይ ሰልፊ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልምን ሊንሾፒንግን ኣብ መንበሪ ኣባይቶ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሓያሎ ቆሲሎም

ትማሊ ምሸት ኣብ ሃሰልቢ ስትራንድ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም። ኣስታት 30 ሰባት ከኣ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለዉ። ትማሊ ሰሉስ ንግሆ፡ ካብ ስቶክሆልም ንደቡባዊ ምዕራብ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሊንሾፒንግ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ተወሳኺ ምፍንጃር ከም እተፈጸመን ፖሊስ ነቲ ጒዳይ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። “እቲ …

Read More »

ኣብ ስቴኑሱንድ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ንጥፈታት ደቂሰብ ዘስዓቦ እዩ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ካብ ስቴኑሱንድ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ E6 ሞተርዌይ ዝተኸስተ ምህማም መሬት ፡ ብሰንኪ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ቻልመርስ “ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ”– ፕሮፌሰር ኤሜሪቱስ ጂኦሎጂን ጂኦቴክኒክስን– ጎራን ሳልፎርስ እዩ። ኣብ 2006 ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ምህማም መሬት ዝመርመረ ሳልፎርስ፡ ኣብ ጫፍ ቁልቁለት እቲ ጽርግያ ዘሎ ህንጻዊ ምንቅስቓስ፥ ጠንቂ እዚ …

Read More »

ቱርክ፥ ኣመሪካ ኤፍ-16 እንተሸይጣትለይ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ከጽድቕ እየ።

ፕረዚደንት ቱርክ ረሰፕ ጠይብ ዔርዶጋን፡ ኣመሪካ ንቱርኪ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ክትሸጠላ ዝኣተወቶ መብጽዓ እንተድኣ ኣማሊኣ፡ ባይቶ ሃገሩ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እወ ክድምጽ ምዃኑ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። ዔርዶጋን ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ምስ መሸጣ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነ ነፈርቲ ኲናት ኤፍ 16 ብዕሊ ከተኣሳስሮ ሕጂ ንፈለማ ግዜኡ እዩ። ንሱ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ቱርክ …

Read More »

ሽወደን ንዜጋታት ዒራቕ ብሓይሊ ሰጒጓ።

ኣብ ሽወደን ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽገ 26 ዜጋታት ዒራቕ፥ ሎሚ ንግሆ ብቻርተርድ ነፋሪት ብሓይሊ ናብ ባቕዳድ ከምዝተሰጎጉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሽወደን ድሕሪ 11 ዓመታት ግዱድ ምስጓግ ዒራቓውያን ክትፍጽም ሕጂ ፋልማያ እዩ። ዒራቕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ብወለንታኦም ክጥረዙ እንተዘይተሰማሚዖም ክትቅበሎም ከም ዘይትደሊ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ።  

Read More »

ኣብ ምዕራብ ሽወደን ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ጽርግያ ዓንዩ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት፥ ኣብ ሰሜን ዮተቦሪ ካብ ስቴኑንግሱንድ ውጽእ ኢኡ ዝብ ዝርከብ E6 ዝተባህለ ጎደና ገዚፍ ዕንወት ኣጋጢምዎ። ህንጻታት ዓንዮም መካይን ድማ ኣብቲ ዝተሰናጠቐ ጎደና እኳ እንተወደቓ ብኸቢድ ዝቖሰለ ሰብ ግን የለን። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኩባንያ ህንጻ ብጌጋ ፍርስራስን ሓመድን ይዂምር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል መባእታዊ ገበናዊ መርመራታት ብፖሊስ ተኸፊቱ’ሎ። እቲ ሓደጋ ካብ እተኸሰተሉ …

Read More »

ድኳናት ኤን.ኬ.፡ ጥረ ገንዘብ ምቕባል ደው ከብላ እየን።

ኣብ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ዝርከባ ኣባይቲ ድኳናት ኤን.ኬ.፡ ጥረ ገንዘብ ምቕባል ደው ከብላ እየን። ኣካያዲ ስራሕ ኤን.ኬ ቦ ዊካረ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ገበነኛታት ጕጅለታት ኣብ ድኳናቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ እተረክበ ገንዘብ ከይጥቀሙ ንምዕጋት ዝዓለመ ምዃኑ ይዛረብ። መንእሰይ ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ፡ ድሕሪ እቲ ምርጥቃዕቲ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ ካብ ኤን.ኬ ክቡር ጃኬት ምስርሑ ተፈሊጡ.። ካብ ዜናታት ጒጅለታት ገበን ከይወጻእና፥ ገበነኛታት ትሕቲ …

Read More »

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብሓባር ይሰርሓ የለዋን።

ኣብ ዳርጋ ሲሶ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፥ ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ከም ዘየለ ተገሊጹ። ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ምግባር ኣብ ምክልኻል ገበን ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ይንገር። ብተወሳኺ፡ ብግምት ኣብ 3 ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ብቢዩፒ ዝፍለጥ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዘይብለን ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ …

Read More »

ንክሊማ ምትዕጽጻፍ ዝግበር ምወላ ኣብ ባጀት ምጉዳል

ንሕብረተሰብ ካብ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ንክሊማዊ ምትዕጽጻፍ ዝውዕል ፋይናንስ ኣብቲ ን2024 ዝተዳለወ ባጀት ብሲሶ ክጎድል ተጌሩ። ብመሰረት እዚ ቅነሳ፡ እቲ ምወላ ካብ 137 ሚልዮን ክሮና ናብ 90 ሚልዮን ክሮና ተቖሪጹ’ሎ። ዞባታትን ምምሕዳራት ከተማን ንሕብረተሰብ ካብ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ኣብ ምሕጋዝ ናይ ምቊጽጻር ተራ ዝጻወት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት (MSB)፡ በቲ ዜና ከም እተገረመ፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ሬት ናብ 4% ከምዘዕበዮ፡ ኣዒንቲ ዝያዳ ክውስኹ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፥ ሎሚ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ዕየራ ወለዱ ናብ 4% ከምዘዕበዮ ተገሊጹ። “ሪክስባንክ” ብተወሳኺ ”ጸቕጢ ዋጋታት ኣቕሑ ገና ኣዝዩ ልዑል ብምህላዉ” ተወሳኺ ወሰኽ ክገብር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ቁጠባ ሽወደን ኣብዚ ዓመት ብ 0.8% ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፥ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ነቲ ቀንዲ ወለድ ናብ 4.25% ከምዘዕብዮ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com