Sunday , May 19 2024

ሽወደን ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ክትውስኽ እንከላ – ዴንማርክ ግና ኣውሪዳቶ

መንግስቲ ሽወደንን ሰልፊ ዲሞክራስን ምስ ስደትን ውህደትን ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝያዳ ምትብባዕ ንምርካብ ብዙሕ ግዜ ንደንማርክ ከም ሞዴል ክርእይዋ እኳ እንተጸንሑ፥ ኣብ ምስሓብ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ግን ክልቲአን ሃገራት ናብ ተጻራሪ ኣንፈት እየን ዝኸዳ ዘለዋ። ሽወደን ነቲ ዝተሓተ ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ናብ 80% ናይቲ ማእከላይ ደሞዝ ምዕባያ – መንግስቲ ድማ ናብ 100 ሚእታዊት ከብጽሖ ዕላማ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብኣንጻሩ መንግስቲ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መድያ 13 november 2023

Read More »

ሃንጋሪ ንሽወደን ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ክትፍጽም ጸሓፊ ኔቶ ይጽውዕ

ሃንጋሪ ነቲ ሽወደን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከተጽድቖ ዋና ጸሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣተሓሳሲቡ። ካብተን 31 ኣባላት ኔቶ ብዘይካ ክልተ ማለት ቱርክን ሃንጋሪንን ኣባልነት ስቶክሆልም ፈሪመን ኣለዋ። ስቶልተንበርግ ምስ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ “መንግስቲ ሃንጋሪ ን ሕቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ክትደናጐ የብላን” ኢሉ’ሎ። ሃንጋሪ ነዚ ነዚ መብጽዓ እትፍጽመሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ወለዲ ንጓሎም ብምምራዝ ተኸሲሶም

ኣብ ስካን ዝርከቡ ወለዲ፡ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ህጻን ጓሎም ኸቢድ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጉዳእቲን ብምብጽሖም ተኸሲሶም። ኣብቲ በዓል እታ ሕጂ 7 ዓመት ዝመልኣ ህጻን ጓሎም ስፒሪት ኤቲካ ዝተባህለ ዓይነት ኣቸቶ ሰትያ ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ዋዜማ ልደት 2022 ምሸት ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ከም እተገብረላ ይፍለጥ። ወለዳ ን 10 ኣዋርሕ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ፥ ብብርክት ዝበሉ …

Read More »

ዩኒየን፡ ኣድማ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ቴስላ ንእገዳ ንምዕጋት ይፍትን ከምዘሎ ይገልጽ

ኣብ መንጎ ተስላን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኲባንያ ሓጺን ዝኾነ ኣይኤፍ ሜታልን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኢንዱስትርያዊ ግጭት፥ ዝያዳ ማሕበራት ናይ ምድንጋጽ ስጉምትታት ይእውጃ ምህላወን ፡ እዚ ድማ ነቲ ኩባንያ ናብ ናይ ሓባር ልዝብ ንኽበጽሕ ጸቕጢ ይገብረሉ ምህላዉ ተገሊጹ። ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ከም ዝሓበሮ፡ ቴስላ ነቲ ኣብ ኣርባዕተ ወደባት ሽወደን ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ ንምልዓል ይጽዕር ኣሎ። እቲ ሕብረት፡ ካብ ዝመጽእ ዓርቢ ጀሚሩ ናብ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ትምሀርቲ ሽወደን ጸረ-ሴማውያን ይኽሰት

ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጸረ-ሴማውያን ተግባራት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ከምዝበጽሐን ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ገሊጸን። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዓሰርተ ክፍልታት ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማታት ድሕሪ ዘካየደቶ ዳህሳስ ፍርቀን ድማ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ክስተታት ጸረ-ሴማውነት ከምዘጋጠመን ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ እስኮና እትቕመጥ ሓንቲ ኣደ ተመሃራይ ወዳ ግዳይ ጸረ-ሴማውነት ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ “ተማሃሮ ነታ ምልክት ኮኾብ ዳዊት ዘለዋ …

Read More »

ሰብ ማድሪድ ካብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ መዋእል ይነብሩ

ነበርቲ ማድሪድ ካብ ተቐማጦ ዝኾነ ካልእ ዞባ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ብ 6 ሕዳር ዝተሓትመ መረዳእታ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ 2021 ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝለዓለ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰብ ማድሪድ ኮይኑ -88.2 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ደረጃ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ትጽቢት ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ውልደት ኣብ ፊንላንድ ኣብ እትርከብ …

Read More »

ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ ክታበት ደንጉዩ ምጅማሩ ተኣሚኑ

ዋና ክኢላ ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL) ሚያ ኮንትዮ ፡ ብዛዕባ ምድንጓይ መሐየሊ ክታበት ኮሮና ኣመልኪቱ ዝንቐረበላ ነቐፌታ ምላሽ ሂባ። ንሳ፡ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ፊናልንድ፥ ክታበት ዓባይ ሰዓልን ኮሮና ቫይረስን በበይኑ ክውድበሉ ዘኽእል ጸጋታት የብሉን ኢላ። “ክልተ ዓበይቲ ዙርያታት [ክታበት] ንምክያድ ዘኽእል ጸጋታት የብልናን” ክትብል ብሰሉስ ንYLE ገሊጻ። ገለ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ድሕነት ኣውራጃታት፥ ኣብ መንጎ ጥርዚ እዞም ለበዳታት ናይ ኣዋርሕ …

Read More »

ምስ ገበነኛታት ጕጅለታት ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ

ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን፡ ብኸቢድ ገበን ዝጥርጠሩን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡን ሽወደናውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ሰበስልጣን ምትሕብባሮም ከምዘሐይሉ ገሊጾም። እዚ ምትሕብባራ ካብ ቀረባ እዋ ንኣትሒዙ ኣድማዒ ውጽኢት ይረኣዮ ምህላዉ ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ሽወደን ይገልጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ገበናዊ መርበብ “ፎክስትሮት” ዝተኣሳሰሩ ሓያሎ ሽወደናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ክታበት ህጻናት ሓሳቡ ይቕይር

ወለዲ ንደቆም ጸረ Covid-19 ሕጂ ከኽትቡ ከም ዝኽእሉ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ጃኮብ ፎርስሜድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡ ዓሚ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ን 12-17 ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ኮቪድ ኣይድልዮምን እዩ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ህጻናት ዕድሜኦም ብዘየገድስ ፍሉይ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንትዘይብሎም ክኽተቡ ይምከሩ ኣይነበሩን። ሕጂ መንግስቲ ካልእ ገምጋም ብምግባር ንህጻናት ክታበት Covid ክወሃብ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com