Saturday , May 4 2024

ሃንጋሪ ንሽወደን ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ክትፍጽም ጸሓፊ ኔቶ ይጽውዕ

Credit: Henrik Montgomery/TT

ሃንጋሪ ነቲ ሽወደን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከተጽድቖ ዋና ጸሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣተሓሳሲቡ። ካብተን 31 ኣባላት ኔቶ ብዘይካ ክልተ ማለት ቱርክን ሃንጋሪንን ኣባልነት ስቶክሆልም ፈሪመን ኣለዋ። ስቶልተንበርግ ምስ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ “መንግስቲ ሃንጋሪ ን ሕቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ክትደናጐ የብላን” ኢሉ’ሎ።

ሃንጋሪ ነዚ ነዚ መብጽዓ እትፍጽመሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ባይቶ ሃንጋሪ ብዘይ ተወሳኺ ምድንጓይ ከጽድቕ ድምጺ ክህብ ንጽበ ኢሉ። ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ኣመልክቱ ናብ ባይቶ ሃገርይ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ። ጽንብላዊ ስልጣን ጥራይ ዘለዋ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ካታሊን ኖቫክ፡ ንሕቶ ሽወደን ብውልቃ ከም እትድግፍ እኳ እንተገለጸት፡ ዋኒን ምጽዳቕ ግን ን ባይቶ ዝምልከት ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ናይ ቀረባ መሓዛ ቀዳማይ ሚኒስተር ቪክቶር ኦርባን ዝኾነት ኖቫክ፡ ገለ ካብ ኣባላት ባይቶ ሃንጋሪ፡ ሽወደን ንኣሰራርሓ ባይቶ ሃንጋሪ ክትኲንን ጸኒሓያ ክብሉ ይምጉቱ ኢሉ። ሽወደንን ኖርዲክ ጎረቤታ ፊንላንድን፡ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲ ዘይሻራነት ብምጥንጣን፡ ናብ ኔቶ ክጽንበራ ሕቶ ምእታወን ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ፊንላንድ ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣትሒዛ መበል 31 ኣባል ኔቶ ኮይና’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com