Thursday , May 2 2024

ኣብ ኣብያተ ትምሀርቲ ሽወደን ጸረ-ሴማውያን ይኽሰት

Credit: Magnus Hjalmarson Neideman

ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ጸረ-ሴማውያን ተግባራት ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ከምዝበጽሐን ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ገሊጸን። ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዓሰርተ ክፍልታት ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማታት ድሕሪ ዘካየደቶ ዳህሳስ ፍርቀን ድማ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ክስተታት ጸረ-ሴማውነት ከምዘጋጠመን ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ እስኮና እትቕመጥ ሓንቲ ኣደ ተመሃራይ ወዳ ግዳይ ጸረ-ሴማውነት ምዃኑ ትገልጽ። ንሳ “ተማሃሮ ነታ ምልክት ኮኾብ ዳዊት ዘለዋ ባንዴራ እስራኤል ናብ ባይታ ደርብዮም ድሕሪ ምርግጋጽ ንወዳ ከም ዝደርበዩሉ ትገልጽ። ብዘይካዚ “ክብሪ ንሂትለር!” ከምኡ’ውን ንእስራኤል ንጸልኣ ኢና ዝብል ጭርሖታት ከጋውሑ ምስምዓ፡ እቲ ኲናት ባህ ዘይብል ሃዋሁ ፈጢሩ ምህላዉን ወሲኻ ሓቢራ። ኣብ ዮተበሪ ሓደ ተመሃራይ ኣብ ሎከሩ ጸረ ሴማዊ መልእኽቲ ከም እተላእከሉ፥ ኣብ ስቶክሆልም እውን ተመሳሳሊ ነገር ከም እተፈጸመ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ። ክሳብ ሕጂ ካብ ጸረ ሴማዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ መናድቕ–ግራፊቲን–ምስኣል ኣርማ ናዚ–ስዋስቲካን–ካልእ ጽንዕ ዝበለ ጸረሴማዊ ጎነጽ ኣይተራእየን ኣሎ ክትብል ቆንስል ከተማ ምውህሃድ ጸረ ጎነጽን ጥሩፍነትን ሱዛን ቲትንድራንድ ትገልጽ። ብዘይካዚ ኣብ ገሊኡ ኣብያተ ትምህርቲ ባንዴራ ፍልስጤም እናንበልበሉ ከም እተራእዩ ወሲኻ ሓቢራ። ዳይረክተር ናይቲ ብዛዕባ ጎነጽ፥ ጥሩፋዊ፥ ዓሌታዊን ፋሺስታዊን ስነሓሳብ ዘሎ ኣፍልጦ ንኽዓቢ ዕላማ ጌሩ ዝነጥፍ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ዝመደብሩ ትካል ሰግስተት ክሪስተ ማትሰን ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብርክት ዝበሉ መማህራን ሓገዝ ንምድላይ ናብቲ ትካል ይውከሱ ምህላዎም ይገልጽ። ንሱ “ኲናት ፍልስጤምን እንስራኤልን ብዝተላዕለ መጠን ጸረ-ሴማውነት ከም ተርእዮ ከም ዝቕልቀል” እንተኾነ ግና ብምኽንያት ብርትዐ እቲ ኲናት እቲ ስምዒት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝጸንከረ ምዃኑ” ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com