Saturday , May 18 2024

ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ጥዕና ዝርከቡ፥ መበራትዒ ክታበት Covid-19 ክወስዱ ጻውዒት ቀሪቡ

ኩለን ዞባታት ሽወደን ወፍሪ ክታበት ቀውዒ Covid-19 ጀሚረን። እቲ ክታበት ካብ ሓደስቲ ጅራት እቲ ቫይረስ ዝሓሸ መከላኸሊ ንምሃብ ብዘኽእል ኣገባብ እተሓደሰ እዩ። ሄንሪ ክሩስ ካብ ስኮና–ሉማ– ሓደ ካብዞም ናይ መበራትዒ ክታበት ክወስዱ ዝወሰኑ እዩ። ንሱ ኣብ እዋን ለበዳ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣዝማዱ ምስኣኑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ቫይረስ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ከም ዝግንዘብ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም፥ …

Read More »

ፈረንሳ፥ ወረ ትዃን ብሩስያ ተላቢዑ ክኸውን ይኽእል እዩ

ሩስያ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ትዃን ዓራት ህዝባዊ ሻቖላ ኣብ ምልዕዓል ተሳቲፋ ክትከውን ከምእትኽእል ኣገልግሎት ስለያ ፈረንሳ ገሊጹ። ሩስያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ኣላ ክብል እቲ ኣገልግሎት ክኸስስ ጸኒሑ’ሎ። እቲ ዝገልግሎ ስለያ ብዛዕባ ቱኻን ፍርናሽ ዝተላዕለ ስንባደ ኣብ ምጒህሃር ተሳቲፋ ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ ከም ዝኣምን ምንጭታት ስለያ ፈረንሳ ንመደበር ሬድዮ RMC ኣመልኪቶም። ትዃን ዓራት ንሰሙናት …

Read More »

ምንጪ ገንዘብ ውዱባት ጉጅለታት ገበን ገና ኣይተጸንዐን ተባሂሉ

ውዱባት ጉጅለታት ገበን ንመንግስታዊ ጽላት ብኸመይ እዮም ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ዝምስምዝዎ ዘለዉ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ መጽናዕቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ። ኣብዚ መደምደምታ ዝበጽሐ ማእከል መጽናዕቲ ንግድን ፖሊስን ድሕሪ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ እዩ። ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ካብ ውልቃዊ ተመኲሮአን ብምብጋስ፥ እዞም ውድባት ገበን በዚን በቲን እዮም ገንዘብ ዝረኽቡ ዘለዉ ዝብላ እኳ እንተኾና ብዛዕባ እዚ ጒዳይ ዝኾነ ስሩዕን ወግዓዊን መጽናዕቲ ዛጊት ኣይተኻየደን ክትብል …

Read More »

ማእሰርቶም ክውድኡ ዝቐረቡ እሱራት ናብ ገዛውቲ ፈረቓ ክኣትዉ ሕቶ ይቐርበሎም

ፍርዶም ንምፍጻም ኣብ ዝቐርቡሉ ዘለዉ እዋን፡ ዝያዳ እሱራት ኣብ “ገዛውቲ ፈረቓ” ሃፍወይ ሃውዝስ ክነብሩ ዕድመ ይግበረሎም ኣሎ። ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ሽወደን ነቲ ተበግሶ ቀዳምነት ብምሃብ: ልዕሊ ዓቐን ጻዕቂ እሱራት ኣብ ዘለዉወን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝልቕ ዝበለ ናይ ቦታ ኲነታት ንምፍጣር: ከምኡ’ውን መጠን ምድግጋም ገበን ንምንካይን ይሰርሕ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ፈጺሙ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍታሕ እሱር ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ …

Read More »

ዋጋ መግቢ ዳግማይ ይውስኽ

ንገለ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ መግቢ ኣብ ሽወደን መሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ዋጋታት መግቢ ዝከታተል ናጻ መርበብ ሓበሬታ “ማት-ፕሪስ-ኮለን ከም ዝብሎ፡ ሲሶ ካብ ኩሉ ኣብ መሸጣታት ዝቐርብ መግቢ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። ዋጋታት ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ወርሒ መስከረም ክነጻጸር እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም ብ 0.3% ወሲኹ’ሎ። ብፍላይ ድማ ከም ኣሕምልቲን ድሉዋት መግቢታትን ምስ ዘለናዮ ወቕቲ …

Read More »

ሰልፍታት ሽወደን፡ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዘኽእሉ ዝተረሩ ሕጊታት ክተኣታተዉ ጸዊዖም

ኣመሓደርቲ ሰልፍታት እንተላይ ሰልፊ ዲሞክራትና፥ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዝያዳ ተኽእሎታት ክህሉ ጸዊዐን። እዘን ውድባት ነዚ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዋ ሃገራዊ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ክብ ዝበለ፥ ምስ ስደት ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ ዝብል ምጒት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ገለ ምስ ግብረሽበራያን ውድባት ወይ ምስ ስለያ ኮርፖሬሽናት ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት፥ ፍቓድ መንበሪኦም ክስረዝ ዘኽእል ዝተረረ መምርሒታት ክተኣታቶ እየን እዘን …

Read More »

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ፥ ጓሉ ኣብ መጥቃዕቲ እስራኤል ን ዘለዋ ኣረኣእያ ይነቅፍ።

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ ጆን ቮይት፡ ጓሉ ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝሃበቶ ርእይቶ “ሓሶት” ምዃኑ ብምንቃፍ ከሲሱዋ። እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ጓል 48 ዓመት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እስራኤል ኣህጒራዊ ሕጊ ብዝጥሕስ ኣገባብ “ኮነ ኢላ ንህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራቤታት፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዓጽያ” ብምባል ምኽሳሳ ዝፍለጥ እዩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ ክሲ ወዲ 84 …

Read More »

ፊንላንድ፡ ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ቪኣር ይውስኽ

ኩባንያ ባቡር ፊንላንድ ቪኣር ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጸር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ርሑቕ ጉዕዞታት ናይ 8% ሓያል ወሰኽ ከምዘርኣየን፡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ጉዕዞታት ከም ዘመዝገበን ገሊጹ። እዚ ወሰኽ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝረአ ዘሎ ልምዲ መገሻታትን ዓማዊል ዝተኣሳሰር እዩ። ካብ ጥሪ ክሳብ ጥቅምቲ ኣብ ዝነበራ ኣዋርሕ 12.6 ሚልዮን ጒዕዞታት ነዊሕ መገሻ ተመዝጊቡ’ሎ። እዚ ኣወታዊ ምዕባለ ቁጽሪ ተጓዓዝቲ ምስቲ ኣብ …

Read More »

ሽወደን ንዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ቤላሩስ ክትድግፍ እያ

ሽወደን ኣብ ቤላሩስ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሰርሑ ትካላትን ውልቀሰባትን ተወሳኺ ደገፍ ክትገብር ምዃና ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ምስ ሊትዌንያዊ መዘናኡ ከምኡ’ውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ሳድላና ቲኺቶቭስኪያ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ሓደ ካብዚ ሽወደን እትገብሮ ሓገዛት ኣብ ቤላሩስ ንዝርከብን መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ 2020 እተፈጸሙ ምግሃስ …

Read More »

ብዝሒ ጥርጡራት ገበን ፍንጀራ ብዕጽፊ ይውስኽ

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ክብረወሰን ዝሓዘ ብዝሒ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ካብ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 139 ፍንጀራታት ተፈጺሞም ኣለዉ። ካልእ ፍሉይነት ነይዛ ዓመት እቶም ፍንጀራታት እውን ዝሓየሉ ይኾኑ ምህላዎም እዩ። እዚ ማለት ጸኒሂ ንፖሊስ መርትዖታት ኮይኑ ከገልግሎ ዝኽእል ተረፈ ዕንወት ይርከብ ብዘይምህላዉ ነቲ ገበን ንምምርማሮም ኣሸጋሪ ይገብሮ’ሎ። ከም መርኣያ ናይዚ 30% ካብቶም ምስ ገበን ምፍንጃር …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com