Friday , May 3 2024

ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ጥዕና ዝርከቡ፥ መበራትዒ ክታበት Covid-19 ክወስዱ ጻውዒት ቀሪቡ

ኩለን ዞባታት ሽወደን ወፍሪ ክታበት ቀውዒ Covid-19 ጀሚረን። እቲ ክታበት ካብ ሓደስቲ ጅራት እቲ ቫይረስ ዝሓሸ መከላኸሊ ንምሃብ ብዘኽእል ኣገባብ እተሓደሰ እዩ። ሄንሪ ክሩስ ካብ ስኮና–ሉማ– ሓደ ካብዞም ናይ መበራትዒ ክታበት ክወስዱ ዝወሰኑ እዩ። ንሱ ኣብ እዋን ለበዳ ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣዝማዱ ምስኣኑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ቫይረስ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ከም ዝግንዘብ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም፥ ነፍሰጾራት፥ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምድብ ተኣፋፊ ኲነታት ጥዕና ዝርከቡ ሰባት፡ ናይ መሐየሊ ክታበት ክወስዱ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። እዚ ንሕማም ጭዋዳ ልቢ፥ ሕማም ሳንቡእ፥ ሕማም ሽኮርን ልዕሊ ዓቐን ክብደትን ንዘለዎም ሰባት እውን ዝምልከት እዩ። ብዘይካዚ ዕድሜኦም ልዕሊ 50 ዝኾነን ዝቐዲሞም ክታበት ዘይወሰዱን ክኽተቡ ብ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ጻውዒት ተጌሩሎም ኣሎ። ሰባት ናይዚ ወቕቲ ክታበት ሰዓል ምስ መበራትዒ ክታአት ኮቪድ ኣሕቢሮም ክወስዱ ሰብመዚ እቲ ኤጀንሲ መኺሮም ኣለዉ። ክልቲኦም ቫይረሳት ሓደገኛ ብምዃኖም እዚ ተመራጺ ስጒምቲ ምዃኑ እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም። እንተኾነ እቶም ኣብ ዝሓሸ ጥዕናዊ ኲነታት ዝርከቡ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ጉጅለ ተኸቲቦም ክሳብ ዝውድኡ ብትዕግስቲ ክጽበዩ ክኢላ ለበዳን ተጸዋዒ መንግስቲን ማግኑስ ጊስለን ለበዋኡ ኣቕሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com