Saturday , May 4 2024

ዋጋ መግቢ ዳግማይ ይውስኽ

Credit: Chris Anderson/TT

ንገለ ኣዋርሕ ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋጋ መግቢ ኣብ ሽወደን መሊሱ ይውስኽ ኣሎ። ዋጋታት መግቢ ዝከታተል ናጻ መርበብ ሓበሬታ “ማት-ፕሪስ-ኮለን ከም ዝብሎ፡ ሲሶ ካብ ኩሉ ኣብ መሸጣታት ዝቐርብ መግቢ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወሰኽ ዋጋ ኣርእዩ’ሎ። ዋጋታት ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ወርሒ መስከረም ክነጻጸር እንከሎ ብማእከላይ ገምጋም ብ 0.3% ወሲኹ’ሎ። ብፍላይ ድማ ከም ኣሕምልቲን ድሉዋት መግቢታትን ምስ ዘለናዮ ወቕቲ ብምትሕሓዝ ዝለዓለ ወሰኽ ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ካልእ ነዚ ወሰኽ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ረቛሒ ኣብ ክራይን መጓዓዝያን ተጌሩ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ እዩ ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com