Saturday , May 4 2024

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ፥ ጓሉ ኣብ መጥቃዕቲ እስራኤል ን ዘለዋ ኣረኣእያ ይነቅፍ።

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ ጆን ቮይት፡ ጓሉ ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝሃበቶ ርእይቶ “ሓሶት” ምዃኑ ብምንቃፍ ከሲሱዋ። እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ጓል 48 ዓመት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እስራኤል ኣህጒራዊ ሕጊ ብዝጥሕስ ኣገባብ “ኮነ ኢላ ንህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራቤታት፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዓጽያ” ብምባል ምኽሳሳ ዝፍለጥ እዩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ ክሲ ወዲ 84 ዓመት ኣቦኣ ቮይት ኣብ ዝዘርግሖ ስምዒት ዝመልኦ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ “ጓለይ…ብዛዕባ ክብሪን ሓቂን ኣምላኽ ዝኾነ ርድኢት ዘይብላ ምዃና ተስፋ ኣቚሪጹኒ እዩ” ድሕሪ ምባል “ሰራዊት እስራኤል መሬት ዓዱ ክሕሉ ግድን እዩ” ክብል ተሰሚዑ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ 4 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 10 ሽሕ ሲቪላት ተቐቲሎም ኣለዉ። ኣንጀሊና ጆሊ ሰራዊት እስራኤል ናብ ውሽጢ ቓዛ ኣትዩ ውግእ የካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣገዳሲ ሓገዝ ናብ ቓዛ ንኽሓልፍ ንምፍቃድ ተኹሲ ብህጹጽ ደው ክብል ደጊማ ምጽውዕ ዝፍለጥ እዩ ። ሚልዮናት ፍልስጤማውያን ሲቪላት – ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራቤታት ብኸምዚ ኢሰብኣዊ ኣገባብ እናተቐጽዑ ዓለም ትም ኢላ ክትሓልፎ ኣይግባእንዝበለት ጆሊ “ነዚ ብስቕታ ዝሓልፉ መራሕቲ ዓለም ኣብዚ ገበናት ተሓባበርቲ እዮም” ክትብል ብኣጽንኦት ጽሒፋ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com