Saturday , May 4 2024

ሰልፍታት ሽወደን፡ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዘኽእሉ ዝተረሩ ሕጊታት ክተኣታተዉ ጸዊዖም

Credit: Fredrik Sandberg/TT

ኣመሓደርቲ ሰልፍታት እንተላይ ሰልፊ ዲሞክራትና፥ ፍቓድ መንበሪ ንምስራዝ ዝያዳ ተኽእሎታት ክህሉ ጸዊዐን። እዘን ውድባት ነዚ ጠለብ ዘቕርባ ዘለዋ ሃገራዊ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ክብ ዝበለ፥ ምስ ስደት ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ ዝብል ምጒት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። ገለ ምስ ግብረሽበራያን ውድባት ወይ ምስ ስለያ ኮርፖሬሽናት ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ሰባት፥ ፍቓድ መንበሪኦም ክስረዝ ዘኽእል ዝተረረ መምርሒታት ክተኣታቶ እየን እዘን እዘን ሰልፍታት ጠለብ ኣቕሪበን ዘለዋ። ኣርባዕተ ተወከልቲ እተን ሰልፍታት ኣብ ጋዜጣ ስቫንስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ብኤጀንሲ ስደተኛታት ዝእለ ገለ ጉዳያት ሕቶ ዕቚባ፥ ከም ጸጥታቂ ጒዳይ ክረአ ይግባእ ዝብል ኣገዳሲ ነጥቢ ኣቐሚጦም ኣለዉ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን–ሳፖ–ቊጽሮም እናወሰኸ ዝመጸ ስደተኛታት ን ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን ስግኣት ምዃኖም ምግላጹ ሬድዮ ሸወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com