Thursday , May 2 2024

ብዝሒ ጥርጡራት ገበን ፍንጀራ ብዕጽፊ ይውስኽ

Credit: Pontus Lundahl

ኣብዚ ዓመት ኣብ ሽወደን ክብረወሰን ዝሓዘ ብዝሒ ፍንጀራታት ከምዘጋጠመ ካብ በዓል መዚ ዓቃቢ ሕጊ ዝተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብዚ ዓመት ዛጊት 139 ፍንጀራታት ተፈጺሞም ኣለዉ። ካልእ ፍሉይነት ነይዛ ዓመት እቶም ፍንጀራታት እውን ዝሓየሉ ይኾኑ ምህላዎም እዩ። እዚ ማለት ጸኒሂ ንፖሊስ መርትዖታት ኮይኑ ከገልግሎ ዝኽእል ተረፈ ዕንወት ይርከብ ብዘይምህላዉ ነቲ ገበን ንምምርማሮም ኣሸጋሪ ይገብሮ’ሎ። ከም መርኣያ ናይዚ 30% ካብቶም ምስ ገበን ምፍንጃር ቦምብ እተጠርጠሩ ሰባት ኣብ 2021ን 2022ን ክሲ ክኽፈተሎም እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ግን በዚ እተኸሰሱ ኣስታት 25% ጥራይ እዮም ክብል ዋና ኣኽባር ሕጊ ዮተበሪ ዮን ኒልሰን ይገልጽ። እዞም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ዝተኸስቱ ምፍንጃራት ቦምብ ምስ ጒጅለታት ገበን እተተሓሓዙ ምዃኖም ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com