Saturday , May 4 2024

ሽወደን ንዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ቤላሩስ ክትድግፍ እያ

Credit: Oscar Olsson

ሽወደን ኣብ ቤላሩስ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሰርሑ ትካላትን ውልቀሰባትን ተወሳኺ ደገፍ ክትገብር ምዃና ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ምስ ሊትዌንያዊ መዘናኡ ከምኡ’ውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ሳድላና ቲኺቶቭስኪያ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ሓደ ካብዚ ሽወደን እትገብሮ ሓገዛት ኣብ ቤላሩስ ንዝርከብን መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ 2020 እተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ሽማግለ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምግባር ዘጠቓልል እዩ። ድሕሪቲ መራሒ እታ ሃገር ሉኬኼንኮ ከም እተዓወተ ብዕሊ እተገልጸሉ ህዝቢ ግና ናይ ዓሎቕ ምዃኑ ዝዛረበሉ ምርጫ፥ ኣሽሓት ሰባት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ዝብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ጥይት ተተዂሲ ኣሽሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጸብጻባት የመልክቱ። “ሽወደን ኣብ ስደት ንዝርከቡ ዲሞክራስያውያን ሓይልታት እታ ሃገር ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቤላሩስጸቕጢ ምግባር ክትደፍኣሉ እያ” ክብል ቢልስትሮም ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com