Thursday , May 9 2024

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ንኣውስትራልያ ብምስዓር ተዓዋቲት መዳልያ ነሓስ ኮይና።

ሽወደን ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ ብልዑል ደረጃ ዛዚማ፡፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ሳልሳይ ደረጃ ን ኣአንጋዲት ጋንታ ኣውስትራልያ 2 ብ 0 ብምስዓር፡ ተዓዋቲት ነሓስ ሜዳልያ ክይከውን ክኢላ’ላ። ቅድሚ ዕረፍቲ፥ ፍሪዶሊና ሮልፎ ብዘመዝገበታ ፍጹም ቅላዕ ሽወደን ሓደ ብባዶ ክትመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ካልኣይ እብረ ኮሶቫረ ኣስላኒ ብዘመዝገበታ ካልአይቲ ሸቶ፡ ሽወደን ንኻልኣይ ግዜ ብ ተኸታታሊ 3ይ ደረጃ ዋንጫ ዓለም …

Read More »

ኣብ ትካላት ግብረሰናይ ዝሞርኮሱ ዩክሬይናውያን እናበዝሑ ይመጹ።

ኣብዚ ሳመር ኣብ ትካላት ግብረሰናይ ዝምርኮሱ ቆልዑ ዘለዎም ዩክሬናውያን ስድራቤታት ብምኽንያት ዝቕባበ ብርቱዕ ሃስያ ይወርዶም ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ምስዚ ሕጂ ዘሎ ዝቕባበን ልዑል ዋጋታት ኣስቤዛን፡ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝረኽብዎ መዓልታዊ ኣበል ደገፍ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ቀይሕ መስቀል ሽወደን ይገልጽ። መዓልታዊ 71 ክሮና ንምሉእ ወጻኢታት ይግበር ኣሎ–እንተኾነ ግና እዚ ጠለባት ናብራ ክመልእ ኣይክእልን እዩ–ይብል ቀይሕ መስቀል። …

Read More »

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ን ሽወደን በጺሑ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ንፈለማ እዋን ናብ ሽወደን ብምብጻሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብ መንበሪ ዓዱ ሃርፕሱንድ ተራኺቡ። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሾን ንዩክሬን ክወሃብ ብዛዕባ ዝወጠኖ ናይ 6 ቢልዮን ክሮና ፓኬጅ ሓገዝ፥ ከምኡ’ውን ኣብ መሬት ዩክሬይን ክትፈሪ ብዛዕባ ወጢንዋ ዘሎ ሽወደናዊት መኪና ውግእ CV90 ኣመልኪቱ …

Read More »

ማግዳሌና ኣንደርሾን–“ ነዚ ጸጥታዊ ኲነታት ብሓባር ክንምክቶ ይግባእ”

ኤጀንሲ ድሕነት ሽወደን–ሳፖ–ደረጃ መጠንቀቕታ ግብረሸብራ ካብ 3 ናብ 4 ካብ 5 ክብ ድሕሪ ምባሉ፡ መራሒት ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ውድባ ህሉው ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንመንግስቲ ደገፍ ንምሃብ ድሉው ምዃኑ ገሊጻ። እዚ ኲነታት ከቢድ ምዃኑ ዝገለጸት ኣንደርሾን፡ ብሓባር ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚራትሉ’ላ። መራሒት ናይቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነት ኣንደርሾን፡ ማዕረ ማዕረዚ ፡ መንግስቲ ብዛዕባ ጸጥታዊ መደባትን ስትራተጂታቱን ዝያዳ …

Read More »

“ነዊሕ ምልክታት ኮቪድ-19 እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክረአ ይኽእል እዩ”–ሓደ መጽናዕቲ።

ሕዱር ምዕራፍ ሕማም ኮቪድ-19 ምስ ሃድአ፥ እቲ ምልክታት እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ከም ዝኽእል፥ ን ምልክታት ኮቪድ-19ን ሳዕቤናቱን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እዚ ብዩሲ ሳንፍራንሲስኮ፣ ማእከላት ምቁጽጻር ሕማማትን ካልኦት ሸውዓተ ትካላትን ዝተኻየደ ናይ ሓባር መጽናዕቲ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲታትብዝሰፍሐ ምልክታት እዚ ሕማም ብምትንታን ብዛዕባኡዝዓሞቐ ርድኢት ክህብ ክኢሉ’ሎ። ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኣመሪካ ዘሕደሮ ዓሚቝ ጽልዋ …

Read More »

ኤጀንሲ ሚግሬሽን ናብ ዒራቕ ክገብሮ ሓሲብዎ ዝነበረ ጉዕዞ ሰሪዙ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ኮታ ስደተኛታት ንምጽራይ፡ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ዒራቕ ክገብሮ ተሓሲቡ ዝነበረ መገሻ፡ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ብምምኽናይ ኣቋሪጹ። ኣብ ሽወደን ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ምቅጻል ቁርኣን ካብ ሃገራት ኣስላም ሓያል ግብረመልሲ ዘስዓበ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዒራቕ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ከምዘይክእል ገሊጹ’ሎ። ገለ ኮታ ስደተኛታት ብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣካል ስደተኛታት UNHCR ዝተመርጹ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ሓለዋ ከምዘድልዮም …

Read More »

ሽወደናውያን ብዛዕባ ስግኣት ግብረሸበራ ዘለዎም ስምዒት ዝተፈለለየ እዩ።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን– ሳፖ–ዝሓለፈ ሓሙስ ደረጃ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ካብ ሓሙሽተ ደረጃታት (ካብ 3 ናብ 4) ክብ እኳ እንተበሎ፥ ተቐማጦ ርእሰ ከተማ ሸደን–ስቶክሆልም–ልሙድ ህይወቶም ክመርሑ ከም እተዓዘበት፥ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን ዝሰዓቦ ስግኣታት ግብረሽበራ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ጭንቀት ይስምዖም እንተኾይኑ ንምፍላጥ፥ ሬድዮ ሽወደን ንገለ ዝረኸበቶም ሰባት ቃለ መሕትት ኣካዪዳ ኔራ። "ብርግጽ ገለ ስክፍታ ኣለኒ ፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -18-08-2023

Read More »

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ቆንስል ሽወደን ዝተፍጸመ መጥቃዕቲ፥ ፖለቲካዊ ድራኸ ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቱርክ–ከተማ ኢዝሚር–ኣብ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት ኣመልኪቱ ብኣሃዱ ጸረ-ግብረ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ፖሊስ ቱርክ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጹ። እዚ መጥቃዕቲ ብረት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንላዕሊ ድርኺት ክህልዎ ከምዝኽእል ዘመልክት ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ሽወደን ካብ ቱርክ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብቲ ብሰንኪ ናይ ቪዛ ምስሕሓብ ዝተበገሰ ተኹሲ፥ ሓንቲ ሰራሕተኛ እቲ ቆንስላ ዝኾነት ቱርካዊት ብከቢድ ምቚሳላ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ሶርያዊ …

Read More »

“ተወጢኑ ዝነበረ መጥቃዕቲ ራዕዲ ተዓጊቱ’ሎ”–ኡልፍ ክሪስተርሾን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ህዝቢ ንቡር ህይወቱ ብዘይ ምንም ሻቕላ ክቕጽል፡ እንተኾነ ግን ገለ ምንቅስቓስ ግብረሽበራውያን ከይህሉ ብንቕሓት ከባቢኡ ክሕሉ ጸዊዑ። ክሪስተርሾን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን–“ሳፖ”– ደረጃ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ግብረሽበራ ክብ ከብል ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ። ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ፡ ደረጃ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ግብረሽበራ ብሓሙሽተ ደረጃታት ካብ 3 ናብ 4 ክብ ኣቢልዎ’ሎ። እዚ ድማ ልዑል ሓደጋ መጥቃዕቲ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com