Thursday , May 9 2024
Credit: Henrik Montgomery/TT

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛ ቆንስል ሽወደን ዝተፍጸመ መጥቃዕቲ፥ ፖለቲካዊ ድራኸ ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ቱርክ–ከተማ ኢዝሚር–ኣብ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብረት ኣመልኪቱ ብኣሃዱ ጸረ-ግብረ
መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ፖሊስ ቱርክ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጹ። እዚ መጥቃዕቲ ብረት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ
ንላዕሊ ድርኺት ክህልዎ ከምዝኽእል ዘመልክት ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ሽወደን ካብ ቱርክ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብቲ ብሰንኪ ናይ
ቪዛ ምስሕሓብ ዝተበገሰ ተኹሲ፥ ሓንቲ ሰራሕተኛ እቲ ቆንስላ ዝኾነት ቱርካዊት ብከቢድ ምቚሳላ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ሶርያዊ
ስደተኛ ቪዛ ስለእተኸልከለ ብሕርቃን ኣብታ ሰራሕተኛ ብዝገበሮ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ኣብ ደረታን እግራን ተሃሪማ ኣብ ሆስፒታል
ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ክንክን ትርከብ ኣላ። ይኹንምበር እዚ ጒዳይ ካብ ሕቶ ቪዛ ብዝሓልፍ ካልእ ፖለቲካዊ ድራኸ ከም ዘለዎ
ዝሕብር ሓድሽ ሓበሬታ ተቐልቂሉ’ሎ።

 

 

Credit: Henrik Montgomery/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com