Wednesday , May 8 2024
Credit: Pixabay

ሽወደናውያን ብዛዕባ ስግኣት ግብረሸበራ ዘለዎም ስምዒት ዝተፈለለየ እዩ።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን– ሳፖ–ዝሓለፈ ሓሙስ ደረጃ ሃገራዊ መጠንቀቕታ ካብ ሓሙሽተ ደረጃታት (ካብ 3 ናብ 4) ክብ
እኳ እንተበሎ፥ ተቐማጦ ርእሰ ከተማ ሸደን–ስቶክሆልም–ልሙድ ህይወቶም ክመርሑ ከም እተዓዘበት፥ ሬድዮ ሽወደን
ጸብጺባ። ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ምቅጻል ቊርኣን ዝሰዓቦ ስግኣታት ግብረሽበራ ብዝተሓሓዝ ዝኾነ ጭንቀት ይስምዖም
እንተኾይኑ ንምፍላጥ፥ ሬድዮ ሽወደን ንገለ ዝረኸበቶም ሰባት ቃለ መሕትት ኣካዪዳ ኔራ።
"ብርግጽ ገለ ስክፍታ ኣለኒ ፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዘይሕወስ ክንድቲ ኣይጭነቕን እየ፡ ግን ብርግጽ ፈሪሐ ኣለኹ" ይብል
ሓደ ኣብ ዕዳጋ ፋይናንስ ኦስተርማልም ምስ ሬድዮ ሽወደን ዘዕለለ ሰብኣይ። ሓንቲ ካልእ መንእሰይ ድማ “እወ ዘፍርህ እዩ፡ ብዙሕ
ሰብ ካብ ዝእከበሎም ዕዳጋትትን ባቡርን እልይ ምባል ዝሓሸ እዩ፥ ኣብ ክንዲ ባቡር ከተማ ድማ ብሽክለታይ ክጥቀም
ወሲነ’ለኹ” ክትብል ገሊጻ። ብምኽንያት እዚ ስግኣታት ገለ ሰባት ባህርያቶም ይቕይሩ ከም ዘለዉ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና
እዚ ስግኣት ክንዲ ዝዓበየ ይዕበ ህይወቶም ከም ንቡር ክቕጽል እምበር ክቕይሩ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም ኣለዉ። ሓንቲ ካብዚኦም
“ግብር ሽበራውያን ጒጅለታት ርዒድና ክንሽቚረር እዮም ዝደልዩ፡ ነዚ ክህቦም ኣይደልን እየ” ክትብል ተዛሪባ’ላ።

 

Credit: Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com