Saturday , May 18 2024

ደቀን በይነን ዘዕብያ ደቀንስትዮ ብኣዝዩ ዝወሓደ ኣታዊ ይናበራ ምህላወን ተገሊጹ።

ደቀን በይነን ዘዕብያ ደቀንስትዮ፥ ብኣዝዩ ዝወሓደ ኣታዊ ይናበራ ምህላወን “ወኪል ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን “ፎርሻ’ክሪንካሳ” ን 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ገሊጹ። ሓሙሽተ ደቃ በይና እንተዕቢ ሳራ ገዛ ኽራይ ድሕሪ ምኽፋላ ኣብ ኢዳ ዝተርፋ ብኣዝዩ ውሕሉል ቊጠባ ከም እተካውኖ እያ ትገልጽ። “ብፍላይ ድማ ንኣስቤዛ ዝግበር ናይ ባጀት ስራሕ እቲ ዝኸበደ እዩ። ክራይ ገዛን ካልእን ወርሓዊ ሕሳብን ምስ ዓጸኻ ኣብ ኢድካ ዝተርፍ …

Read More »

ዳርጋ ኣብ መላእ ሸወደን ብዝበሃል ደረጃ ስግኣት ባርዕ ጫካ ልዑል ይኽሰት።

ዳርጋ ኣብ መላእ ሸወደን ብዝበሃል ደረጃ፥ ስግኣት ባርዕ ጫካ ልዑል፡ ኣዝዩ ልዑልን ክኽሰት ኣብ ጫፍ ዘሎን ተባሂሉ ክም ዝምደብ ተፈሊጡ።. ሃሩርን ነቕጺን ምኽንያታት እዚ ኣዝዩ ዝወሰኸ ስግኣታት ባርዕ ጫካ እዮም፥ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ፥ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን እገዳ ሓዊ ክጸዓን እንከሎ፥ ኣብ ገሊኡ ብፍላይ እዚ ሕጊ ኣዝዩ ከም ዝጸንዕ ቴጌሩ’ሎ። ሰባት ኣብ ግዳም ወጺኦም ስጋ ናይ ምጥባስ ኮነ ካልእ ምስ …

Read More »

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING

ንምምራቕ ተመሃሮ ዚምልከት ሽወደናዊ ቃል : UTSPRING ከምቲ እቲ ቃል ዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን እቲ ንኻልኣይ-ደረጃ ትምህርቲ ዚምልከት ምረቓ ከም ዓቢ ፍጻመ ኢዩ ዚቝጸር። UTSPRING ኡትስፕሪንግ ካብ ut (ንደገ) + springa (ምጉያይ) ዝመንጨወ እዩ። “ምጉያይ” ወይ “ናይ ምረቓ ሸበድበድ” ኢልካ ክትትርጉሞ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ምረቓ፡ ተማሃሮ ብተለምዶ ክፍሊ ብኽፍሊ ካብ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ ወጺኦም ይጎዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይቲ ተመሃራይ ቆልዓ …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ግሪኽ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ 100 ዝኾኑ ቆልዑ ተሳፊሮም ምንባሮም ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ገማግም ግሪኽ ኣብ ዝጠሓለት ዝጸዓነት ጃልባ፥ 100 ዝኾኑ ቆልዑ ተሳፊሮም ምንባሮም ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ኣውርጳ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ትራጀዲ፥ 78 ስደተኛታት ምሟቶም ድሮ ከም እተረጋገጸ፥ ካልኦት ኣማኢት ስደተኛታት ግና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ። ኣብታ ጃልባ ኣስታት 750 ስደተኛታት ተሳፊሮም ምንባሮም፥ ካብ ደሓንቲ እተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፥ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ትሽዓተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ …

Read More »

ፐር ቦሉንድ ስልጣኑ ክሓድግ እዩ።

  ሓምላይ ሰልፊ ኣብዚ ኣየት ኣብ ዝገብሮ ዓመታዊ ዋዕላኡ ዳግማይ ኣፈኛኡ ኮይኑ ክምረጽ ድሌት ከም ዘይብሉ ፐር ቦሉንድ ገሊጹ። ቦሉንድ ኣብ 2019 መላፍንቲ መራሒ ሓምላይ ሰልፊ ኮይኑ ተመሪጹ ኔሩ እዩ። ንሱ ቅድሚ ዝመጽእ ምርጫ ብኻልእ ክትካእ ከም ዝደሊ ን ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 16-06-2023

Read More »

ኣባላት ሓለዋ መዓርፎ ነፈርቲ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

ማሕበር ስራሕተኛታት መጓዓዝያ ሽወደን፥ ካብ ሰነ 28 ንደሓር ብዝተፈላለየ ደረጃታት ኣድማ ከካይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ብቐዳማይ ደረጃ፥ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ምቚጻር ከምኡ’ውን “ኦቨርታይም” ምስራሕ ብምእባይ፥ ክሳብ 3 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ስምምዕ እንተዘይተበጺሑ ኸኣ ኣባላቱ ቅሉዕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ። ከም ኣካል እዚ ኣድማ፡ ሓለዋ ድሕነት መዓርፎ ነፈርቲ ብሮማን ላንቪተርን ስዒቡ ድማ ናይ ሪንሃል ትካል ኑክሌር ካብ ቦትኦም ከም ዝለዓሉ ክግበሩ …

Read More »

ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ሕጂ’ውን ኣብያ ቱርክ ይዓግት።

ላዕለዎት ስብመዚ ሽወደን ቱርክን ኔቶን፥ ብዛዕባ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምዝርራብ፥ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኣንካራ ተራኺቦም። ሽወደን ቅድሚ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ ኔቶ–ቪኒሊስ– ኣባል ኔቶ ክትከውን ትጽቢት ክትገብር ከም ዘይብላ፥ ፕረሲደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን፥ ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፥ ን መዓከናት ዜና ቱርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ “ሽወደን ዘድሊ ጽገናታት ክሳብ ዘይገበረት፥ ኔቶ ንኣባልነታ …

Read More »

ኣብ ክንክን ጥዕና ሽወደን ዘሎ መስርዕ ሪጋ እናነውሐ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ኣብ ክንክን ጥዕና ሽወደን ዘሎ መስርዕ ሪጋ ንምሕጻር፥ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተፈላለየ ጻዕርታት እኳ እንተተገብረ፡ ብኣንጻሩ እቲ መስርዕ እናነውሐ ምምጽኡ “ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት” ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ 2010፥ ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት ተሓከምቲ ዘድልዮም ክንክን ክረኽቡ ውሕስነት ዝህብ ኣገባብ ብክፍሊ ክንክን ጥዕና ተኣታትዩ ምንባሩ፥ እንተኾነ ግና ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብ ተሓከምቲ ካብዚ ዝተወሰነ መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባዮም እቲ ጸብጻብ …

Read More »

ሓደ ካብ ዕሉላት ቀተልቲ ሽወደን ኣብ 2026 ክፍታሕ እዩ ተባሂሉ።

ሓደ ካብ ዕሉላት ቀተልቲ ሽወደን ፍርዲ ማእሰርቲ ናብ 41 ዓመታት ከም እተለወጠ ተፈሊጡ። ብመስረት ትማሊ ብ ወረዳ ኡረቦ እተዋህበ ውሳነ ገበነኛ ቅትለት ጃኪ ኣርክሎቭ፡ ኣብ 2026 ክልተ ሲሶ ማእሰርቱ ወዲኡ ክፍታሕ እዩ። ኣርክሎቭ ኣብ 1999 ኣብ ማሌክሳንደር (ኦስተርጎትላንድ) ክልተ ሰብመዚ ፖሊስ ብምቕታሉ፥ ናይ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ዝዝከር እዩ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com