Sunday , May 5 2024

ሰብ ማድሪድ ካብ መላእ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ መዋእል ይነብሩ

ነበርቲ ማድሪድ ካብ ተቐማጦ ዝኾነ ካልእ ዞባ ሕብረት ኤውሮጳ ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ብ 6 ሕዳር ዝተሓትመ መረዳእታ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ 2021 ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝለዓለ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበረሰብ ማድሪድ ኮይኑ -88.2 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ደረጃ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ዝለዓለ ኣሃዝ ትጽቢት ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ እዋን ውልደት ኣብ ፊንላንድ ኣብ እትርከብ ደሴታዊ ዞባ ኦላንድ ኮይኑ (82.8 ዓመት) ተመዝጊቡ’ሎ።

ነዚ ብቐረባ ስዒቡ ዝመጽእ ማድሪድ ኮይኑ 82.2 ዓመት እዩ። ካብ ካልኦት ዞባታት ዝመጹ ስጳኛውያን እውን ካብ መብዛሕትኦም ኤውሮጳውያን መዛኑኦም ዝነውሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ እዩ ዝግለጽ። ደቂ ኣንስትዮ ናቫረ 87.6 ዓመት፡ ካስቲላ ዪ ሌዮን 87.5 ዓመት፡ ካንታብሪያ 87.1 ዓመት፡ ጋሊስያን ባስክን ክልቲአን 87.0 ዓመት ክኸውን እንከሎ፥ ደቂ ተባዕትዮ ናቫረ ድማ ሳልሳይ ዝለዓለ መዋእል ማለት–81.9 ዓመት ከም ዝነብሩ ተመዝጊቡ’ሎ። ሓድሽ መጽናዕቲ ላዕለዋይ ማእከል ሳይንሳዊ ምርምር ስጳኛ (CSIC) ከም ዘመልክቶ፡ ኣብተን ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ማድሪድን ባርሴሎናን፥ ኣብ ኩለን ንኣሽቱ ገጠራዊ ምምሕዳራት ዝነብሩ ኣረጋውያን ብቚጽሪ ዝበዝሑ ኮይኖም፡ ብዝሒ ህዝቢ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ማድሪድን ባርሴሎናን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣለዉ። ከም መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ርእሰ ከተማታት ዝነብሩ ሰባት ካብ ካልእ ቦታታት ዝያዳ ዝሃተሙ እዮም። ኣታዊ ነፍሲ ወከፍ ዜግጋማድሪድ ብማእከላይ ገምጋም 34,821 ዩሮ ከምዝኾና ኣሃዛት ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ስፔይን ይሕብር። ሃብቲ ዜጋታት ዝሓሸ ብሕታዊ ክንክን ጥዕና ክረኽቡ የኽእሎም እዩ። ስፔይን ኣብ ዓለም ብሉጽ ስርዓተ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ድማ ንነዊሕ መዋእል ዜጋታት እታ ሃገር ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይሰማምዑሉ። ካልእ ኣገዳሲ ረቛሒ ንውሓት ዕድመ ስጳኛውያን ኣመጋግባኦም፡ ብዙሕ ናይ ምጉዓዝ ባህሎም፡ ጥቡቕ ሕብረተሰባዊ ምትእስሳር፡ ፍቕሪ ስፖርትን ተጠቒሶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ስጳኛ እውን ብሰንኪ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን ዝሞቱ ሰባት ልዑል ምጒዳል ከተርኢ ክኢላ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com