Friday , May 3 2024

ወለዲ ንጓሎም ብምምራዝ ተኸሲሶም

ኣብ ስካን ዝርከቡ ወለዲ፡ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ህጻን ጓሎም ኸቢድ ኣካላዊ መጥቃዕቲን ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ መጉዳእቲን ብምብጽሖም ተኸሲሶም። ኣብቲ በዓል እታ ሕጂ 7 ዓመት ዝመልኣ ህጻን ጓሎም ስፒሪት ኤቲካ ዝተባህለ ዓይነት ኣቸቶ ሰትያ ኣዝያ ሓሚማ ኣብ ዋዜማ ልደት 2022 ምሸት ኣብ ሉንድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምና ከም እተገብረላ ይፍለጥ። ወለዳ ን 10 ኣዋርሕ ድሕሪ ዝተገብረሎም መርመራ፥ ብብርክት ዝበሉ ጥሕሰታት ሕጊ ተኸሲሶም ኣለዉ። ሓደ ካብዚ ክሲታት ነታ ህጻን እዚ ኣቸቶ ክትሰቲ ጌሮም ህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምእታዎምን ከይትንቀሳቐስ ምእጋድን እዮም። ኣደን ኣቦን ነቲ ክሲ ኣይወዓልናዮን ክብሉናይ እምነት ኽሕደት ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com