Sunday , May 19 2024

ፖሊስ ኡፕሳላ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ ኣማኢት ኪሎ ነታጒ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር የእቱ

ትማሊ ምሸት ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ፍተሻ ኣማኢት ኪሎ ነታጒ ከም ዝተታሕዘ ጋዜጣ ኡፕሳላ ንያ ቲድኒንግ ሓቢራ። ብመሰረት ሓላፊ ስርሒታት ሃገራዊ ስኳድ ቦምባ ፖሊስ ጆን ዋላንደር፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ነታጒ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ ምእታው ስርሒታት ሓደ እዩ። እዚ ስርሒት ምስ ጕጅለታት ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ፍንጀራታት ክከላኸል ከምዝኽእል ዋላንደር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን እናተዳኸመ ይኸይድ

ዕዳጋ ስራሕ ሽወደን እናተዳኸመ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት ይበራኸቱ ምህላኦም ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ኣብ ወርሒ መስከረም ስራሕ ኣልቦ ብምዃኖም ዝምዝገቡ ሰባት ብቚጽሪ ምውሳኾም ካብ ስራሕ ናይ ምፍናው ምልክታታት ከኣ ይብርክት ምህላዉ ከይኣክል ኣስራሕቲ ዝወሓዱ ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ይዝርግሑ ምህላዎም ገለ ካብዞም ነዚ ሃዋሁ ዘጒልሑ ተርእዮታት እዮም። ይዂን’ምበር እቲ ምዝሕሓል ዛጊት ብተዛማዲ ቅልል ዝበለ እዩ ክትብል ተንታኒት ኣገልግሎት ህዝባዊ …

Read More »

ኣብ ሸወደን ዝቕመጡ ኣይሁዳውያን ብዛዕባ ድሕነቶም ይስከፉ

ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ሓያል መጥቃዕትን ጭውያን ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ኣይሁድ ብዛዕባ ድሕነቶም ስክፍታ ከም ዝስምዖም ይገልጹ’ለዉ። ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሽወደን ን ሓማስ ዝድግፉ ሰልፍታት ምክያዶም ከኣ ነዚ ስግኣት ኣዛዪድዎ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ “ጉባኤ ኣይሁድ” ኣባላቱ ካብ ቤቶም ወጻኢ ዝኾነ ናይ ኣይሁድ ምልክት ከይሕዙ፡ ወይ ድማ ኣብ ግዳም …

Read More »

ን ሓማስ ዝድግፉ ሰልፍታት ኣብ ጎደናታት ከተማታት ሸወደን ተኻዪዶም

ንወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ–“ብርጌዳት ኣልቃሳም” ዝድግፉ ጭርሖታት ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሽወደን ሄልሲንበሪን ማልምን ተኻዪዶም። እቶም ሰልፊኛታት ባንዴራ ፍልስጤም ብምሓዝ ንመራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ዳይፍ ክውድሱ ተሰሚዖም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ኣብዚ ናይ ሄልሲንበሪ ናይ ደገፍ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣቦመንበር ማእከል ፍልስጤማያን ኣብ ሽወደን ኣሕመድ ሱሌማን ኮይኑ፡ ዕላማኡ ንህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ጥራይ ምዃኑ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ዝኾነ ይዂን ውድብ …

Read More »

ኑሺ ዳድጎስታር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዝወሓደ እትጥቀስ እያ ተባሂላ

መራሒት ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፖድካስትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ካብ ዝኾነ ካልእ መራሒ ሰልፊ ሽወደን ብዝወሓደ እትጥቀስ ሰብ ምዃና ተገሊጹ። እዚ ዝተባህለ ብመሰረት ትካል ድምጺ ካንታር ፓብሊክ ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ዳህሳስ መራኸቢ ብዙሃን ሽወደን ኮይኑ፥ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ቀዳማይ ሚኒስተርን ኡልፍ ክሪስተርሾን ብመጠን ተጠቃስነት መራኸቢ ብዙሃን ቅድሚት ተሰሪዑ’ሎ። ዳድጎስታር ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይዚ ዝርዝር ዝኾነትሉ …

Read More »

ፊንላንድ ኣባል ምዃና ን ኔቶ ዓብዪ ረብሓ ምዃኑ ተገሊጹ

ፊንላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትጽንበር ምውሳና ኣብ ፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታን እታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ከም ዘምጽእ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ህንዲ ኪሞ ላህደቪርታ ገሊጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ፊንላንድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ኣባል ሃገር ኔቶ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣንጻር ኩሉ ዝቑጸር መሰረታዊ መትከል ሓባራዊ ምክልኻል ዘለዋ ተወፋይነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣምባሳደር ላህደቪርታ ምስ ኤኤንኣይ ኣብ …

Read More »

SVT: መራሒ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ኣብ ኢራን ተታሒዙ ተባሂሉ

መራሒ ሽወደናዊ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ኣብ ኢራን ከም ዝተኣሰረ፥ ሓያሎ ነጻ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተለቪዥን ሽወደን SVT ሓቢሩ። ፖሊስ ሽወደን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይኹኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ከረጋግጹን ከም ዘይከኣሉ፥ እንተኾነ ግና ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሑ ከምዘለዉን ገሊጾም ኣለዉ። 37 ዝዕድሜኡ መራሒ መርበብ ጒጅለ ገበን ፎክስትሮት ራዋ ማጂድ፥ ኣብ ሽወደን ንሱ ኣብ …

Read More »

ሕግታት ፍቓድ ስራሕ ብተቓወምቲ ውድባት ይንቀፍ–ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ግና ደገፉ ይህብ።

ብዘይካ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኲለን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን፥ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ፍቓድ ስራሕ ንምሕዳስ ዘዲ ዘድሊ ዝተሓተ ደሞዝ ከም ዝቃወማ ገሊጸን። ሰልፊታት ማእከልን ሓምለዋይ፡ እቲ ውሳነ ብፍላይ ንንግዳዊ ትካላት ሕማቕ ጽልዋ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ነቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ተሟጊቶም ኣለዉ። እዚ እናኾነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ነቲ ወሰኽ ከም ዝድግፎ፡ እቲ መጠን ካብዚ ተወሲኑ ዘሎ እንተዝልዕል …

Read More »

ኣብ ፓሪስ ወራር ትዃን ስንባደ ይፈጥር፥ ኣብ ሽወደን ግና ምንካይ የርኢ

ኣብ ፓሪስ ኣብ መርበባት መጓዓዝያ ቱኻን ተራእዮም ዝብል ዜና ኣብ ተጓዓዝቲ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ወራር ትዃን ኣብ ሽወደን እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ ምህዳእ ለበዳ ኮሮና ወራር ቱኻን ብዘፊሑ ክረአ ይኸውን እዩ ዝብል ስግኣታት እኳ እንተነበረ፥ እዚ ግና ከም ዘይተኸስተ ተቖጻጻሪ ባልዕ ኣንቲሲሜክስ ይገልጽ። “ወራር ባልዕ ቱኻን ኣብ ከባቢ 2019 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኔሩ” ይብል …

Read More »

ተቓወምቲ ውድባት ንምምሕዳራት ከተማ ዝያዳ ባጀት ክስላዕ ጸዊዖም

መንግስቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ባጀቱ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን እማመ ክልሰ-ሓሳባዊ ባጀት ኣቕሪቦም። ኣብኢ ብተቓወምቲ ውድባት ቀሪቡ ዘሎ እማመ ክልሰሓሳባዊ ባጀት ሓደ ናይ ሓባርነገር እንተሎ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ምሕታቶም፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣንጻር ገበን ጕጅለታት እኹል ስራሕ ኣይዓመመን ዝብል ነቐፌታን እዩ። ይኹን እምበር ሰልፊ ማእከላይ ኣብዚ ቁጠባዊ ፖሊሲ ካብ ምስታፍ ተቖጢቡ’ሎ።    

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com