Friday , May 3 2024
Credit: Robin Haldert / TT

ኣብ ፓሪስ ወራር ትዃን ስንባደ ይፈጥር፥ ኣብ ሽወደን ግና ምንካይ የርኢ

ኣብ ፓሪስ ኣብ መርበባት መጓዓዝያ ቱኻን ተራእዮም ዝብል ዜና ኣብ ተጓዓዝቲ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ወራር
ትዃን ኣብ ሽወደን እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ ምህዳእ ለበዳ ኮሮና ወራር ቱኻን ብዘፊሑ ክረአ ይኸውን እዩ ዝብል
ስግኣታት እኳ እንተነበረ፥ እዚ ግና ከም ዘይተኸስተ ተቖጻጻሪ ባልዕ ኣንቲሲሜክስ ይገልጽ።
“ወራር ባልዕ ቱኻን ኣብ ከባቢ 2019 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኔሩ” ይብል ቶማስ ፐርሰን ቪነርስተን፡ ተመራማሪ ስነ ህይወትን
ክኢላ ባልዕን። ኣብ 1930ታት ኣብ ስቶክሆልም ብሰንኪ እተኸስተ መጠነ ሰፊሕ ወራር ቱኻን ኩባንያ ኣንቲሲሜክስ ከም
እተመስረተ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።

 

Credit: Robin Haldert / TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com