Tuesday , May 14 2024
The number of people being treated for knife and gunshot wounds has increased. Foto: Emil Langvad / TT / kod 9290

ልዑል መጠን ሓደጋታት ቶኽስን ካራን ተመዝጊቡ

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ መጠን ናይቶም ብሰንኪ ቶኽስን ኻራን ዝሰዓበ መጉዳእቲ ንክሕከሙ ዝመጹ ሰባት፡ ቁጽሮም ብ 50% ከምዝወሰኸ ንጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 2010፡ ብሰንኪ ቶኽስን ኻራን ዝሰዓበ መጉዳእቲ፡ 785 ሰባት ሕክምናዊ ምክትታልን ኣገልግሎትን ከምዝረኸቡ ይዝከር። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ድማ፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 1165 ክብ ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 1,030 ሰባት፡ ናይ ኻራ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ከምዝነበረ፡ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም በዚ ዓይነት ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ግን ኣብቲ ጸብጻብ ከምዘይኣተወ ተፈሊጡ።

ይኹን እምበር፡ መጠን ናይቶም ብሓደጋ መኪናን ሓደጋታት ምውዳቕን ምጽዳፍን ኣጋጢምዎም፡ ናብ ሕክምና ዝመጹ ሰባት፡ ዝለዓለ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com