Tuesday , May 14 2024
Emergency services have placed supports and a crossbar in an entrance to the affected house to avoid parts of the property collapsing. Foto: Björn Larsson Rosvall / TT kod 9200

ሓቅታት ብዛዕባ ኣብ ዮተቦሪ ዘጋጠመ ምፍንጃር

  • ሰዓት 04:38 ወጋሕታ፡ ኣብ ዮተቦሪ፡ ከባቢ ኣነዳል (Annedal)፡ ኦቭረ ሁሳርጋታን (Övre Husargatan) ዝርከብ ህንጻ፡ ናይ ምፍንጃር ሓደጋ ከምዘጋጠመ፡ ፖሊስ፡ ሓበሬታ በጺሕዎ።
  • መጥፋእቲ ሓዊን ህጹጽ ረዲኤትን ኣብቲ ከባቢ ምስ በጽሑ፡ ኣብቲ ህንጻ ዝርከባ ገለ ክፍልታት፡ ጋራጅን ሰለስተ መደያይቦታትን ብትኪ ዒግ ክብሉ ጸኒሖም።
  • 16 ሰባት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
  • ሰለስተ ደቂ 60፡ 70 ን 80 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ወዲ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይን ብድምር ኣርባዕተ ሰባት ብኸቢድ ዝተሃስዩ ነይሮም።
  • ተቐማጦ ናይ 140 ክፍልታት ናይቲ ህንጻ፡ ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ኣለዉ።
  • እቲ ዝተፈንጀረ ባእታ፡ እንታይን ኣበይን ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ንጹር ሓበሬታ የለን።
  • ፖሊስ፡ መርመራታት የካይድ ኣሎ
  • ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ 60 ናይ ምፍንጃር ሓደጋታት ከምዘጋጠመን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ፍጻሜታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ20 ከምዝውሕድ ጸብጻባት ይሕብሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com