Tuesday , May 14 2024
Now a maximum price applies for home tests in Spain. (AP Photo/Jeremias Gonzalez) ENA102

ስጳኛ፡ ንቑልጡፍ መርመራ ኮቪድ፡ ናይ ዋጋ ደረት ኣተኣታትያ

ስጳኛ፡ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19፡ ንሕቶ ናይ ቅልጡፍ መርመራ ኮቪድ፡ ናይ ዋጋ ደረት ንምትእትታው፡ መጽናዕቲ ተካይድ ከም ዘላ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስጳና ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

መበገሲ ናይ’ዚ ኩነታት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዋጋታት ከምዝወሰኸን ቅልጡፍ መርመራታት ንምግባር ዘድሊ ጠለብ ካብ ቀረብ ከም ዝዛይድ ጸብጻብ ምስተነግረ፡ እቲ ህዝቢ ዘርኣዮ ሓያል ግብረመልሲ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ክሳብ ቀዳም ዝለዓለ ዋጋ 2.94 ዩሮ ማለት ክሳብ 30 ክሮኖር ዝምጠን ከም ዝኸውን ሚኒስተር ጥዕና ስጳኛ፡ ካሮሊና ዳርያስ፡ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጻ ኔራ፡፡ ብመሰረት መግለጺ እታ ሚኒስተር፥ እቲ ናይ ዋጋ መጠን ነቲ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ ምምርማር ፈተነታት ኣብ ኣብያተ-መድሃኒታት ውን ከም ዘሎ ብምርግጋጽ፡ ብዝተኻእለ መጠን ህዝቢ ብቐሊሉ ከም ዝቕበሎ ኣብ ምግባርን ክሕግዝ `ዩ ክብል ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ ሰሙናት፡ ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ስጳኛ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸን ብረቡዕ ድማ ናይ 180 ሽሕ ሓደስቲ ዝተረጋገጹ ግዳያት ዝሓዘ ጸብጻብ ከም ዝተዋህበን ተረጋጊጹ እዩ፡፡

ረኽሲ ኣስፋሕፊሑ’ኳ እንተሎ፡ ቁጽሪ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ሕሙማት፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ዓመት ዝነበረ ዝወሓደ ከም ዝኾነ እዩ ተሓቢሩ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com