Tuesday , May 14 2024
Credit: Maya Naylor/Sveriges Radio

ኢንዱስትሪ ፊልም ሽወደን ኣብ 2022 ዝተሓተ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ሲነማ ሽወደን ኣዝዮም ሒደት ሰባት ጥራይ ክበጽሕዎ ምጽንሖም ተገሊጹ። ንኣብነት 2022 ካብ ቀዳሞት ዓሰርተ ብሉጻት ተሰምያ ኣብ ዓበይቲ ሲነማታት ዝተራእየት ፊልም የላን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 16% ካብ ኣፍቀርቲ ፊልም ጥራይ ፊልምታት ሽወደን ምዕዛቦም፡ ኣብ ዓበይቲ ሲነማታት ሽወደን–ፊልምስታደን–ዳይረክተር ተርታ ፊልምታት ፐር ማርተንሰን ገሊጹ’ሎ።

“ኣብ 2022 ብብዝሒ ዝተራእዩ ፊልምታት ናይ ኣመሪካ እዮም ኔሮም። ፊልምታት ሽወደን ተረኣይቲ ዘይኮኑሉ ምኽንያት የለን። እንተኾነ እዚ ቢዝነስ ን ሲነማ ዝኾኑ ፊልምታት ንምስራሕ ብዙሕ ምጽዓርን ምፍታሽን የድልዮ እዩ” ክትብል ኣብ ትካል ፊልም ሽወደን ኣካያዲት ዝርግሐን መመያን ሄለና ሲመንሰን ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com