Wednesday , May 15 2024
(Cecilia Fabiano/LaPresse via AP) ROM804

ኣብ ሆስፒታል ኮቪድ፡ መስመር ኦክስጂን ብምፍንጃሩ፡ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም

ትማሊ ሶኑይ፡ ኣብ ሩስያዊት ከተማ ቭላዲካቭካዝ ( Vladikavkaz) ኣብ እትርከብ ሆስፒታል፡ ብትሕቲ መሬት ዝተዘርገሐ መስመራት ኦክስጂን ብምፍንጃሩ፡ ካብቶም ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝነበሩ 71 ሕሙማት ኮቪድ ዝኾኑ ሰባት፡ 9 ከምዝሞቱ በዓል መዚ ጥዕና እቲ ከበቢ ንማዕከን ዜና ታስ ዝሃቦ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር፡ ተተ፡ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ኦክስጂን ገንእታት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተላእከ ተፈሊጡ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ድማ፡ መስመራት ኦክስጂን፡ ካብዞም ገንእታት ናብ ሕሙማት ይዝርግሑ ከምዘለዉ ከንቲባ ሰሜን ኦሴትያ፡ ሰርጂ ሜንጃይሎ፡ ሓቢሩ።

ከተማ ቭላዲካቭካዝ፡ ርእሲ ከተማ ናይታ ኣብ ደቡብ ሩስያ እትርከብ፡ ሪፓፕሊክ ሰሜን ኦሴትያ ምዃና ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com