Tuesday , May 14 2024
Nils Petter Nilsson / TT kod 62260

ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ናይ ኣድልዎ በደል ከይፍጸም ጻውዒት ቀሪቡ።

ዴንማርክ ኖርዌይን ፊንላንድን ንዕረፍቲ ሳመር ዶባት እንተተኸፊቱ ሽወደናውያን ለበዳ ኮሮና ሒዞምልና ክመጹ እዮም ዝብል ስግኣት ከም ዘልዎም ተገሊጹ። ሚኒስተር ንግድን ቱሪዝምን ኢብራሂም ባይላን ዝኾነ ዜጋ ዘየድሊ ምጒናይ ክበጽሖ ኣይግባእን ድሕሪ ማባል ሽወደናውያን በዚ በደል ከይወርዶም ምጽውዑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ባይላን ምስ ሚኒስተራት ቱሪዝም ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቪድዮ ክራኸብ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። ባይላን ነቶም ዝሓለፈ ሰሙን ብኮሚሽን ኣውሮጳ ዝቐረቡ ንኣከፋፍታ ዶባት ዝምልከቱ መምርሒታት ከም ዘኽብሮምን ለበዳ እናተኸላኸልካ ቱሪስም ምስፍሕፋሕ ከም ዝደፍኣሉን ገሊጹ።

“ዘይምዕዳል ኮይኑ ኣብዚ ቅልውላው ገለ ሃገራት ዝተፈልየ እገዳታት ከም ዝወረደን ተዓዚብና ኣሎና” ዝበለ ባይላን እዚ ኲነታት ስለምንታይ ከም እተገብረ ዛጊት ከም ዘይተሓበረን ምናልባት ግና ካብ ፍርሂን ዘይምፍላጥን ክብገስ ከም ዝኽእል ኣሚቱ’ሎ። ኣብ መላእ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ እገዳታት ምኽፋት ዶባት ዘተ ይግበር ምህላዉ፥ በዚ ምኽንያት ድማ ምስ ምብዛሕ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮና ሽወደናውያን ከም መስፋሕፋሕቲ እዚ ለበዳ ይጥቀኑ ምህላዎም ተመልኪቱ። ባይላን ኣብ መወዳእታ “እዚ ሕማም ኣብ መላእ ኣውሮጳ እዩ ዘሎ፥ ሰባት ከኣ ይሞቱ ኣለዉ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com