Tuesday , May 14 2024
A church that collapsed in the earthquake in the town of Arkalochori in Crete. (AP Photo/Harry Nikos) XTS108

ኣብ ክሬት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተኸሲቱ 

ትማል ሰኑይ ቅድሚ ቀትሪ 5.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ግሪኽ ኣጋጢሙ። እዚ ሓደጋ ካብታ ዝዓበየት ደሴታዊት ከተማ ሄራክሊዮን ሒደት ማይላት ርሕቕ ኢሉ ከም ዘጋጠመ ተገሊጹ’ሎ። በዚ ሓደጋ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ 9 ካልኦት ከም ዝቖሰሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም ኣለዉ።

ብፍላይ ከተማ ኣርካሎኮሪ በዚ ሓደጋ ኣመና ከም እተሃስየት፥ ህንጻ ቤተክርስትያን ፈሪሱ ኣብኡ ዝሰርሕ ሰብ ክመውት እንከሎ 9 ካልኦት ከም እተሃስዩ በዓልመዚ ሓለዋ ህዝቢ ስፒሮስ ጆርጆ ገሊጹ’ሎ። እዚ በዓልመዚ ትማል ሰኑይ ናብቲ ቦታታት ምብጻሕ ከም ዘካየደ ማዕከናት ዜና ኣታ ሃገር ገሊጸን።

ህንጻታት ክነቓነቕ ምስ ጀመረ ህዝቢ ብራዕዲ ናብ ጎደና ወጺኡ ክሃድም ከም እተራእየን ህንጻታት ኣርካሎኮሪ ክፈርሱ ዘርእዩ ስእልታት ብተሌቪዥን ከም እተራየን ተፈሊጡ።

እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፈጺሙ ኣየድለወናን ክብል ክኢላ ሓደጋ ምድሪ ኤፍቲሚስ ሌካስ ን ኣገልግሎት ዜና ANA ሓቢሩ’ሎ።

ምክትታል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣውሮጳ ነቲ ዓቐን ኣብ 6.5 እኳ ኣቐሚጥዎ እንተነበረ ጸኒሑ ግና ምጒዳል ከም ዝገብረሉ ተመልኪቱ።

ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ኣብ መንጎ ሃገራት ግሪኽን ቱርኪን ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 100 ቱርካውያን ኣብ ደሴታት ሳሞስ ከኣ ክልተ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com