ናብ ሽወደን ምስ ኣተዂም፡ ብኸመይ ስራሕ ትረኽቡ? ክንደይ ግዜኸ ይወስደልኩም? ስራሕ እንክትደልዩ፡ እንታይ ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣለኩም? ሬድዮ ሽወደን፡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ሽወደን ብኸመይ ስራሕ ይረኽቡ ንዝብል ሕቶ ሒዛ፡ ምስ ኣካያዲት ህዝባዊ ሽቕለት ሽወደን፡ ኢቫ ቬስትሉንድ ጻንሒት ጌራ ኔራ። ንሳ “ብቐዳምነት ክገብርዎ ዝግባእ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ሽቕለት ምምዝጋብ እዩ። ከምዚ ምግባሮም፡ ኣበይን ከመይ ዝበለን ስራሕ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ገለ ምኽሪ ክህቦም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ …
Read More »ስራሕን ቁጠባን
ሽወደን ኣብ መጽናዕቲ ዝዋፈሩ ምሁራን ስለምንታይ ትስእን ምህላዋ ተዘትዩሉ።
ናብ ናይ ዶክትርና ምዕርግ ትምህርቲ ክኸዱ ዝደልዩ ተማህሮ፡ ቊጽሮም እናወሓደ ኣብ ልዕሊ ምምጽኡ፡ 54% ኣብ ሽወደን ዘጽንዑ ተመሃሮ ወጻኢ ናይዚ መዓርግ ጥራይ፡ ኣብ ሽወድን ክተርፉ ከም ዝድልዩ ክብ በዓልመዚ ላዕለዋይ ትምህርቲ እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ምኽንያትን ናይዚ ተርእዮን ንምፍትሑ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣልን፡ ትማል ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ዘተ ከም እተኻየደ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ” እንድሕሪ ናይ ወጻኢ ተመሃራይ ኴንካ፡ ናይ ድሕረ-ዶክትርና መዓርግ ኣብ ካልእ ሃገር …
Read More »መንግስቲ ዘውጽኦ ውጥን ስደተኛታት ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ።
ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝቐልጠፈ ስራሕ ንክረኽቡ መንግስቲ ዘውጽኦ ፕሮግራም ምስ ውጥን ምጥያስ ብትሕዝቶ ሓደ እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን ብዝብል ብብርቱዕ ይንቀፍ ኣሎ። ተሳተፍቲ ናይቲ ጽዑቕን ን ዓመት ዝካየድን ፕሮግራም ብዝቐልጠፈ ቋንቋ ሽወደን ዝመልኩሉ ኮርሳት ከምኡ’ውን ናይ ምሉእ እዋን ናይ ተልመዴን ሞያ ከም ዝወስዱ እዩ ዝግበር። እንተኾነ ግና ነቐፍቲ ነዚ ተባሂሉ ዝውሰድ ናይ ስልጠና ኮርስታት ምስቲ ን መጣየሲ ተባሂሉ ንክልተ ዓመት ዝወሃብ ፕሮግራም …
Read More »ሩስያ ኣብ ጸዓት ዝዓለመ እገዳ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተሃለዎ እዚ እገዳታት ንጽላት ጸዓት እታ ሃገር ሸቶ ዝገብር ድዩ ኣብ ዝብል ግና ጥርጣረ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ክጸዓን ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ምስ ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ትማል ሰሉስ ናብ ላክሰምበርግ ምኻዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. ሩስያ ኣብ ዓለምና …
Read More »ትካል ማይብሎማን ዓመታዊ ንጥፈቱ ጀሚሩ።
ንቆልዑ ካብ ድኽነት ዝሕሉ ትካል ማይብሎማን ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ዓመታዊ ማዕከኑ ናይ ምስሳን ንጥፈት ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ትካል ነዚ ዝገብር ብወረቐት ዝተሰርሑ ዕንባባታት ብቆልዑ ከም ዝሽየጡ ብምግባር እዩ። “ንግስቲ ሽወደን ቀዳመይቲ ዕንባባ ገዚኣ’ላ” ክትብል ዋና ጸሓፊት ትካል ማይብሎማን ኤስ ኤነል ገሊጻ’ላ። ካብ መሸጣ እዚ ዕንባባታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ሽግር አለዉ ህጻናት ንምርዳእ ክውዕል እይ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ድኽነት ዘለዉ ህጻናት ሽወደን …
Read More »ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ።
ድሕሪ ክልተ ዓመታት ካብ ሎሚ ኣትሒዙ ኮቪድ-19 ንሕብረተሰብ ሓደጋ እዩ ካብ ዝብል ዝርዝር ክወጽእ ተጌሩ’ሎ። እዚ ማለት ኮቪድ-19 ን ህዝባዊ ጥዕና ሓደጋ ኣይኮነን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ ስግኣት እውን የለን ማለት እዩ። ብተግባር እንክረአ እዚ ቫይረስ ከም ዘለዎ ዝጥርጥር ሰብ ሕክምና ክከታተል ኣይግደድን፡ ዳህሳስ ለበዳ ከምኡውን ውሸባ ይዂን ምፍላይ እውን ደጊም ኣይከድልዩን እዮም ማለት እዩ። እቲ ሕማም ሕጂ’ውን ከም ዘሎን ሰባት …
Read More »ኖርወይ ፡ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ።
ብምኽንያት ምውዳእ ውጥን ለበዳ ኮሮና ኣብ ዝቕጽል ክልተ ኣዋርሕ, 26,400 ሰባት ናይ ሽቕለት ረብሓታቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ኖርወይ ቱደይ.ኣመልኪታ። ረብሓታት ሽቕለት ለበዳ ኮሮና ንብዙሕ ግዜያት ክናዋሕ ምጽንሑ ዝገለጸት እታ ማዕከን ዜና ሕጂ ግና ክውዳእ ከም እተገብረ ወሲኻ ሓቢራ። በዚ ድማ ካብ ሎሚ ባሕቲ ሚያዝያ ኣትሒዞም ሎሚ ዓርቢ ኣስታት 20,000 ሰባት ናይ ስራሕ ረብሓታቶም ክስእኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ዝቕጽል ወርሓ ግንቦት …
Read More »ቦርድ ኤሪክሰን ብምኽንያት ብልሽውና ክሕተት እዩ ተባሂሉ።
ኲባንያ ተለኮም -ኤሪክሰን– ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይድ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ወነንቲ ብርኪ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዒራቕ ዝተገብረ ፍጻመታት ነዚ ኣይፋል ዝብል ድምጾም ክህቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ዋና ኣካያዲ ትካል ኣቫንዛ ጃስፐር ቦናቪዬር ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ ኲባንያ ምስ ዞም ፍጻመታት ብዝተሓሓዝ ዝጸንሖ …
Read More »ሽወደን ካብ ማዕከን ድሕረ-ለበዳ 34 ቢልዮን ክሮና ክወሃባ እዩ።
ሽወደን ካብ ማዕከን ምሕዋይ ለበዳ ኮሮና ኣውሮጳዊ ሕብረት ምወላ ክግበረላ ዘእተወቶ መመልከቲ ብ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ብመሰረት እዚ ፍቓድ ሽወደን ካብቲ ብጥቕላላ ናይ 8 ትሪልዮን ክሮና ዘለዎ ማዕከን ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ምወላ ክግበረላ እዩ። ፍርቂ ናይዚ ምወላ ኣብ ጒዳይ ኲነታት ኣየር ንዘሎ ሽግራት ንምቅላል ወፍሪ ክግበረሉ እንከሎ ሓደ ሕምሲት ከኣ ኣብ ፕሮጀክቲታት ምድጅታልን ወፍሪታት …
Read More »ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኣብ ዘየድሊ መፈንጠራ ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት መጠን ናይቶም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ሓደጋ ድኽነት ዘለዉን ጡረተኛታት ካብ 15% ናብ 23% ምዕባዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ስለምንታይ የጋጥም ምህላዉ ንምርዳእ ገና ከም አይተኻእለን ካብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን እተረኽበ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ሓደጋ ድኽነት ምእታው ማለት ካብ ማእከላይ ኣታዊ ትሕቲ 60% ምህላው ማለት እዩ። ኣብ ኤጀንሲ ጡረታ ሽወደን ዳይረክተር ምርምርን ልምዓትን ኦለ ስተግረን ነዚ …
Read More »