Saturday , April 27 2024

ስራሕን ቁጠባን

ናይ ዶሮቴያ ኣቦታት ናይ ውላድ-ዕረፍቲ ብምውሳድ ካብ ሃገር ምሉእ ዝበልጹ

ቍጽሪ ናይ ንኣቦታት ዝወጸ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ (föräldrapenningdagar) እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዶሮቴያ፡ ብ37 ምኢታዊት፡ ካብ ሃገር ምሉእ ዝላዓለ ቍጽሪ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ ናይ ኣቦታት ዝተወስደላ ኮሙን ኰይና ኣላ። ካብ’ተን ዓሰርተ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርካባ ኮሙናት፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ካብ ሓደ ዞባ እየን። ብሃገር ደረጃ፡ ብኣቦታት ዝውሰድ ዕረፍቲ-ወላዲ 29 ምኢታዊት ናይ’ቶም መዓልታት’ዩ ዘሎ። “ኣብዚ ክልተ ዓመታት ተራእዩ ብዘሎ ምዕባለ እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት እቲ …

Read More »

Jobskills.se – ብትግርኛ ዚውሃብ ናይ ዲጂታል ኣገልግሎት ስራሕ

ብቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት ዝተመወለ ዓንቀጻት Arbetsförmedlingen Jobskills ኣብ ሃገር ሽወደን ንኽትሰርሕ ንእትገብሮ ምድላዋት ሓገዝ ይህበካ። ክሳዕ እቲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዚውሃበካ ዘሎ ግዜ ድማ ብዛዕባ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምዕዶን ምኽርን ትረክብ። ናትካ ድሕረ-ባይታ (CV) ናብ ቋንቋ ሽወደን ይትርጎም ነቲ እተመሃርካዮን እተመከርካዮን ካልእ ክእለትን ብቋንቋኻ ትመልኦ። እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘገድሰካ እውን ትመርጽ። ድሕረ-ባይታኻ ምስ ገለጽካ፡ ናብ ቋንቋ ሽወደን …

Read More »

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር ተጨውዩ

ናይ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልዮነር፡ መሓመድ ደዊይ፡ ኣብታ ናይ ታንዛንያ ዝዓበየት ከተማ ዳር ኤስ ሳላም ብዕጡቓት ሰባት ከም እተጨውየ ዞባዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብመሰረት ናይቲ ሃገር ኣመሓዳሪ፡ ፖል ማኮንዳ፡ ደዊይ በቶም ኣብ ክልተ ማኪና ኮይኖም ዝመጹን ኣብ ኣየር ዝተኮሱን ሰባት እዩ ተጨውዩ። እቲ 43 ዓመት ዝዕድመኡ መሓመድ ደዊ፡ ወናኒ ናይቲ 24000 ሰራሕተኛታት ዘለዎን ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ቢዚነስ ዘካይድን METL Group …

Read More »

መጥቃዕቲ ኣንጻር ናይ ቁጠባ ገበነኛታት

ቁጠባዊ በዓልስልጣን፡ ፖሊስን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ሰሉስ ንግሆ ኣብ እተፈለለየ ቦታታት ሽወደን ፍተሻ ኣካዪዶም። ብዙሓት ሰባት ብናይ ቁጠባ ገበን ተታሒዞም ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ዚምርምር ዘሎ ምምሕዳር ቁጠባዊ ገበን (EBM)፡ ኣስታት 10 ሰባት ብናይ ቀረጽ ምትላል፡ ብናይ ሒሳብ ምስግጋር ገበን፡ ብናይ ገንዘብ ምሕጻብ (ማኒ ሎንድሪንግ)ገበን ተታሒዞም ኣለዉ። ናይ ሕጽበት ገንዘብ ገበን ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ EBM እዞም እተታሕዙ ሰባት ነዳዲ …

Read More »

ክልተ ኣመሪካውያን ብስነቍጠባ ናይ ኖበል ሽልማት ተማቒሎም

ኣብዚ ዓመትዚ፡ እቲ ናይ ቁጠባ ሽልማት ኖበል ነቶም ናይ ዕቤት ተዮሪስት ዝኾኑ ዊልያም ኖርድሃውስ ካብ የይል ዩኒቨርሲትን፡ ፖል ሮመር ካብ ኒዩዮርክ ዩኒቨርሲቲ ቤትትምህርቲ ቢዚነስን ብሓደ ተዋሂቡዎም። ንሳቶም ነቲ ናይ ቁጠባ መሰረታዊ ናይ ምዕባለ ሕቶታት ብምምላሽ መዓጹ ከፊቶም ኪብል ናይ ሃገራዊ ቁጠባ ፕሮፈሶር ኣብ ስቶክህሎም ዩኒቨርሲቲ ቶሽቶን ፐሾን ገሊጹ። ግምገማ ፖሊሲ ክሊማ ብመሰረት ፐሾን፡ ክልቲኣቶም በቲ ናይ ምዕባለ ኣገባብ እዮም እተሸለሙ። …

Read More »

ቻይና፥ ካራ ኣብ ክሳድ ኣንቢርካ ዚካየድ ናይ ታሪፍ ኵናት

EkonomiTT-AFP እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ኵናት ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ዋሺንግቶን ”ነቲ ካራ ኣብ ክሳድና ኣንቢራ” ተፈራርሃና እናሃለወት፡ ምስ ኣመሪካ ዘተ ምክያድ ኣይተ|ኻእለን ትብል ቻይና። ኣመሪካ ነቲ ናይ 200 ሚልያርድ ናይ ኣቕሑ ቻይና ታሪፍ ድሕሪ ምጅማራ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ እቲ ናይ ቻይና ንግዲ ሚኒስተር ኪዛተ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ። ግን ከኣ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብምክብባር ኪገብራኦ …

Read More »

ማእከላይ ስታቲስቲክ ቤትጽሕፈት (SCB)፥  6.1 ሚእታዊት ስራሕ-ኣልቦ

ቍጠባ TT ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 337 000 ሰባት ስራሕ-ኣልቦ ነይሮም፡ እዚ ድማ 6.1 ስራሕ ኣልቦነት ከም ዘሎ የርእይ። እዚ ብመሰረት ማእከላይ ስታቲስቲክስ ቤትጽሕፈት (SCB) ነቲ ስራሕ ኣልቦነት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2017 ኪነጻጸር ከሎ ብ 11 000 ሰባት ክብ የብሎ ወይ ድማ ብ 0.1 ሚእታዊት። ዕድል ስራሕ ብ 56000 ሰባት ክብ ብምባል ናብ 5 165 000 ሰባት ክብ ኢሉ። እዚ ድማ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com