Monday , April 29 2024

ስራሕን ቁጠባን

H &M ኣብ መዓልቲ በዓል ንወርሓዊ ኮሚሽኖም ብምልዋጥ ሳርፕራይዝ ምግባሩ ተገሊጹ።

H&M ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ናይ ሰራሕተኛታት ስርዓተ ኮሚሽን ክቕይር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ካብ ባሕቲ ታሕሳስ ጀሚሩ ብመሰረት ዝሸጥዎ ብዝሕን ዓይነትን ኣቕሓ ኮሚሽን ክፍሊት ምስ ሰራሕተኛታት ኩሉ ክፍሊታት ብምጥማር ወርሓዊ ኮሚሽን ከርሑ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ስርዓት ናይ ሰራሕተኛ ኮሚሽን ወርሓዊ ካብ 500 ናብ 1500 ክሮነር ክብ ከብል ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ። ኣፍቶንብላዴት ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብምሕታት ኣብ ዘካየደቶ መርመራ ነዚ ኣገባብ ዘይግቡእ …

Read More »

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነፈርቲ ካብ ሽወደናዊ ትካል SABB ንምዕዳግ ሓሳብ ከምዘለዋ ተፍልጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ብደርጃ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎን ክልተ ዓበይቲ ነፈርቲ ካብ ሽወደናዊት ትካል SABB ክትገዝእ መደብ ከምዘለዋ ሽወደናዊ መፍረ ወታደራዊ ናውቲ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ዝመደበሩ ትካል SABB ዓበይቲ ተዋጋእቲ ጆት ነፍርቲ ን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ንምሻጥ ናይ ኣስታት 1.08 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከምዘሎን እንተኾነ ዛጊት ኣብ መፈጸምትኡ ከምዘይበዝሔን ኣብ ቀረባ እዋን ግን ከምዝፈራረሙ እዩ እ\ኢ ትካል ዝሕበር። ሕቡራት …

Read More »

መሓመድ ኣል ዓሙዲ ዝነበሮ ብርክታት ኣብ Powercell ን Bosch ይሽይጥ።

ሮበርት ቦሽ ዝተባህለ ናይ ሃገረ ጀርመን ኢንዱስትሪ ካምፓኒ ንኩሉ ዋንነት ሚድሮክ ኣብ ፖወር ሴል ዝነበሩ 5•8 ሚልዮን ብርክታት ከምዝዓደጎም ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣስታት 11•3% ካብቲ ናይቲ ካምፓኒ ሓፈሻዊ ብርክታት ሙኻኑ እዩ። ነዚ ብርክታት ዝሽጠ ድማ ሚድሮክ ካምፓኒ ዋንነቱ ናይ ኣል ዓሙዱዩ። ኣል ዓሙዲ ወናኒ ብዙሕ ድርሻ ኣብ ካምፓኒ ፕሪም እዩ። ብተወሳክውን ኣል ዓሙዲ ወናኒ ብርክታት ኣብ Minesto, Crunchfish, Heliospectra, Promore …

Read More »

ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናይ ምቁጻር ኣገልግለቶም ገዲፎም ይወጹ።

ብዝሒ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናይ ምቁጻር ኣገልግሎቶም ገዲፎም ይወጹ ከምዘለውን እዚ ድማ ኣሽቃሊ ጉዳይ ምኻኑ ይሕበር። ከምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ዕዪ ኣብዚ እዋን ኣብ ረፎርም ወይ ድማ ለውጢ ኣብ ኣሰረሓሓቱ ኣብ ምግባር ይርከብ። ኣብዚ መስርሕ ለውጥታት ድማ ብዝሒ ዘለዎም ኣገደስቲ ሰባት ካብቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ስረሖም ይገድፉ። ነዚ ተርእዮ ድማ ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ከም ኣሻቃሊ ሓደጋ ብምባል …

Read More »

እገዳ ምውሳድ ዉሳኔታት extratjänster ን introduktionsjobb ተላዒሉ።

ካብ ጥሪ 2019 ዉሳኔ ምውሳድ ፕሮግራም extratjänster ን introduktionsjobb ደው ኢሉ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ድሩት ባጀት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ዓመተ 2019 ምንባሩዩ። ኣብዚ እዋን እቶም ክውሰዱ ዝነበሮም ዉሳነታት extratjänster ን introduktionsjobb ኣዝዮም ስለዝጎደሉ በዚ ዘሎ ናይዚ ዓመት ባጀት ወላውን ናይ ዝመጽእ ዓመት ነቶም ዝድለዪ ዓቀን ዉሳኔታት ምውሳድ ዘክእል ስለዝኮነ ፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ቤት ጽሕፈት …

Read More »

ብዓላት ምኽንያት ዝግበር ምጉዳል ዋጋታት ቡዙሓት ሰባት ይታለሉ ከምዘለዉ ተሓብሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ኩባንያታት ኣብ ትሕቲ ፡ዝሽየጥ ኣለና፡ ዝብል ኣርእስቲ ንዋጋታት ፍርያተን ከሕስረኦ ይረኣያ ኣለዋ። ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ንዓማዊል ንምትላል ዝጥቀምሉ ስልቲ ኮይኑ ኣብ ክውንነት ግን ዋጋታት ናይ ፍርያቶም ከየሕሰሩ ከም ዝሸጡ ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብምጥቃመን ብዙሕ ነቐፌታታት ካብ ዝወረደን ኩባንያታት ድማ ኢንተርስፖርት (Intersport)፡ ስፖርትስሞር (Sportamore)፡ ዩር (Ur)፡ ፐን (Penn)ን ጆሊሩምን (Jollyroom) ነይረን። ዋጋታት ፍርያታ …

Read More »

ኣብ ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ስቶክሆልም ብሰንኪ ዝተራእየ ጥርጣረ ዘይሕጋዊ ዝውዉር ገንዘብ፣ ኣብ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን SEB Bank ዘሎ ናይ ዓማዊል ብርክታት ሽግር ኣጋጢምዎ።

ኣብ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን ዘሎ ብርክታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ዝተጠርጠረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዋጋ ብርክታት ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ዓቢ ሓደጋ ከምዘሎ ኣገልግሎት ቴሊቭዥን ሽወደን ኣብ ዝዘግርሖ ዜናዊ ሓበሬታ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ተጠርጢሩ ዘሎ ዘሕጋዊ ገንዘባዊ ዝውዉር ብቐንዱ ኣብቲ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ባንክታት እዚ ሃገር፣ ምዃኑ ዝንገረሉ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን SEB ባንክ ዝሳተፎ …

Read More »

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ቁጽረን ይዛይድ።

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ፡30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን (BERLIN WALL)፡ ቁጽረን ብናህሪ ከምዝወሰኸ ካብ ጀርመናዊ ሽወደናዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዝተረኽበ ሓድሽ ስታቲካዊ ሓበሬታ ተፈሊጡ። ገለ ኩባንያታት ሽወደን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ቀደም ምዕራብ ጀርመን ዝነበሩ ቦታታት፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይሓቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ኣብ 9/11/1989 ምብራቕ ጀርመናውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ምዕራብ ጀርመን ዝሰገርሉ መዓልቲ ምንባሩ ኣብ ጀርመናዊ ሽወደናዊ ቤት …

Read More »

ኩባንያ ቫትንፋል (Vattenfall) ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይዚ ዓመት መኽሰብ ኣርእዩ!!

ኩባንያ ቫትንፋል ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይዚ ዓመት ቅድሚ ግብሪ ምኽፋሉ ክሳብ 7.8 ቢልዮን ክሮነር መኽሰብ ኣርእዩ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሓደ መኽሰብ ኣመዝጊቡ ክሳብ ናይ 2.2 ቢልዮን ክሮነር ዝበጽሕ መኽሰብ ጥራይ ከምዘመዝገበ ይዝከር። ናይዚ ዓመት መኽሰብ ክብርኽ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ፡ • ካብቲ ኣብ በርሊን ጀርመን ተካይዶ ናይ መሞቒ ስራሕት ምዃኑ ፣1.5 ቢልዮን ክሮነር መሰል ፍርያት ናይ ጀርመናዊ መመንጨዊ …

Read More »

ሽቅለት ኣልቦነት ይውስክ ምህላው ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ።

ኣስታት 357 620 ደለይቲ ስራሕ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር 2019 ምዝጉባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ይሕብሩ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ክነጻጸር ከሎ ኣስታት 17000 ዝያዳ ደለይቲ ስራሕ ከምዘልዉ ይሕብር። እዚ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት ናብ 7•1 ሚእታዊት ክብ ምባሉ ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ሽቅለት ኣልቢነት 6•1 ሚእታዊት ኔሩ። እዚ ተርእዪ ምውሳክ ሽህቅለት ኣልቦነት ብተከታታሊ ን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com