Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሓንቲ ካብ ደርፍታት ኣቪቺ ኣብ ሽወደን ብብዝሒ ካብ ዝተሰምዓ ኣብ ዓመተ 2018 ትኸውን ።

ኣብ ሸወደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2018 ብብዝሒ ካብ ዝተስምዓ ደርፍታት ናይ ዲጀይ ኣቪቺ (DJ Avici) with “out you “ምንባራ Stim -ስቲም ዝተባህለ ናይ ሙዚቃ ድርጅት ይሕብር:: ንምርቛሕን ንምምማይ ብብዝሒ ዝተሰምዓ ደርፍታት ኣብ ሽወደን ድማ ሓበሬታት ካብ ራድዮን ካብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ናይ ኢንተርነት ሙዚቃ ኣገልግሎት ካብ ዝህባ ከም ጉግል፣ ኣፕል ሙዚክን ጉግል ፕለይ ተኣኪቡ :: ”Hon dansar vidare”ብ Hov1 ከም ካልኣቲ …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ስዊሽ( swish)ኮምፑዩተር ፕሮግራም ክፍተት ብምህላዉ ይነቕፎ።

ናይ ኮምፑዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት ብምህላዉ ፖሊስ ይነቕፎ ኣብ ናይ ገንዘብ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም Swish ክፍተት (ነቕዕ) ከምዘለዎን፡ መንግስቲ ሽወደን ነዚ ብሽወደናውያን ኮነ ብነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ወጻእተኛታት ዓቢ ተጠቃምነት ዘለዎ ፕሮግራም ክቆጻጸሮ ከምዘለዎ ፖሊስ ሽወደን ጠለቡ ኣቕሪቡ። በዓል መዚ ፋይናንሳዊ ምቁጽጻር (Finansinspektionen) ብቐጥታ ነዚ ፕሮግራም (SWISH) ብዘይምቁጽጻሩ መሳርሒ ናይ ገለ ገበነኛታት ክኸውን ከምዝኻኣለ ኣብ ክፍሊ ሃገራዊ ስርሒታት ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳዊ …

Read More »

ሆስፒታል ካሮሊኒስካ፡ 600 ሓካይምን ነርሳትን ዝርከብዎም ስራሕተኛታት ከፋኑ እዩ።

ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊንስካ ሓካይም፡ ነርሳትን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዝነጥፉን 600 ሰራሕተኛታት ከፋኑ መደብ ከምዘለዎ ሎም ረቡዕ ኣብ ጋዜጣዊ ምግለጺ ኣቃሊሑ። እዚ ውሳኔ ከም ሓደ ክፋል ናይቲ ብሆስፒታል ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ምቛም ቅርጺ ምዃኑ እዩ። ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ዋጋ 950 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ናይ ጥዕና ትካላት ካብ ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ናብ ካልእ ናይ ጥዕና ወገናት ተሰጋጊሩ። ኣብ ዓመተ …

Read More »

ሓላፍነት ቤት ጽሕፈት ዕዩ ናብ ምምሕዳራት ክይሰጋገር ናይ ቀደም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር የጠንቅቕ።

ናይ ቀደም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር፡ ኣንድረሽ ዮሪ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ሓላፍነት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናብ ምምሕዳራት ይነቅፍ። ሓደ ካብ ፍሉጣት ክኢላታት ዓውደ ኢኮኖሚ ኣብ ሽወደን ዝኾነ ዩሪ፡ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ መፍትሒ ከምዘይኮነን ታሪኻዊ ጌጋ ምዃኑን ሓቢሩ። ሓላፍነት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናብ ምምሕዳራት ምስግጋር፡ ንስራሕ ዘቋረጹን ዝደልዩን ዘለዉ ሰባት ብቐሊሉ ናብ ስራሕ ዓለም ንኸይወሃሃዱ ጠንቂ ክኾኖም ከምዝኽእል ይዛራብ። …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 4800 ናይ ሞያ ፍቓድ ሂቡ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብዛዕባ፡ 4834 ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ፡ ዝምልከት ውሳነታት ከምዘመሓላለፈ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት 4367 ሓድሽ ጠለብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ። ብመሰረት መርበብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ካብቶም ፍቓድ ዝረኸቡ ጉዳያት እቶም 821 ኣብ ሽወደብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ንኽሰርሑ ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ዝሓታቱ እዮም ነይሮም። እተን ኩባንያታት ድማ እቲ ዘድሊ መለክዒታት ከምዘማላኣ ንቤት ጽሕፈት …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ንኽሰርሑ ዘይክእሉ ኣባላት ወጻኢ ገይረን።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላላያ ምምሕዳራት ንዝርከቡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ክሰርሑ ንዘይክእሉ ኣባላት ናይ ስራሕ ውዕሎም ንምቁራጽ ተባሂሉ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝወጸ ሬድዮ ሽወደን P4 ኦሬብሮ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ። ነዚ ዝተገብረ ዳህሳስ 198 ካብተን 290 ምምሕዳራት ሽወደን ከም እተቀበለኦ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ እዘን ምምሕዳራት ንልዕሊ 7000 ሰራሕተኛታት ወጻኢታት ከም ዝገበራን ካብኣቶም ድማ 900 ዝኾኑ …

Read More »

ንጉስ ሽወደን ሓደስቲ ሰብ ዋኒን ኣብ ምህናጽ ሽወደን ኣገደስቲ ተራ ንክጻወቱ ይጽውዕ።

ንጒስ ሽወደን ካርል መበል 16 ብሰኑይ ኣብ ምኽፋት ጽንብል ምሽላም “ኒው ቢልደርስ” ኣብ ዘስምዖ መደረ”ሓደስቲ ሰብ ዋኒን ኣብ ምህናጽ ሽወደን ኣገደስቲ ተሳተፍቲ እዮም” ኢሉ። ኣብቲ ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዝተቓንዐ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ካብ ብዙሓት ዞባታት ዝመጹ ተሸለምቲን ወከልቲ ቊጠባዊ ጽላትን ትካላትን ተረኺቦም ኔሮም። እዚ ሽልማት ብ IFS ከምኡ’ውን SEB ዝተዋደደ ዀይኑ ሰለስተ ክፍሊታት ኣለዉዎ። ሰብ ዋኒን፥ ኒው ቢልደርስ ከምኡ’ውን ያንግ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግራት ንምፍታሕ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ዓቃባዊ ሰልፍን ጥቡቕ ምትሕብባር ክህልዎም ከምዝግባእ ናይ ቀደም ሚኒስተር ጸዊዑ።

ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ዓቃባዊ ሰልፍን ጥቡቕ ምትሕብባር ክህሉ ናይ ቀደም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር Anders Borg ጸዊዑ። እዘን ኣብ ሽወደን ማሕበራዊ ሓላፍነት ዝስከማ ክልተ ሰልፍታት’ዚኣተን ፍልልየን ከጽብባ ከምዘለወን እቲ ሚኒስተር ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ገሊጹ። ካብ ዓመተ 2014 ክሳብ 2016 ከም ሚኒስተር ኮይኑ ዝነጠፈ፡ ሪንፊልደት ቤን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሮ ዝምድና፡ ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን ፖሊሲ ዘለዎ ርኢቶን …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ ሓላፍነት ምድኻም ባጤራ ክሮነር ዝስከም መንግስቲ ሉፈን እዩ ክብል ገሊጹ።

ኣፈኛ ቊጠባዊ ፖሊሲ ጸጋማይ ሰልፊ ኦላ ኣንደርሰን ሓላፍነት ምድኻም ባጤራ ክሮነር ዝስከም መንግስቲ ሉፈን እዩ ኢላ’ላ። መንግስቲ ነቲ መጠን ዝቕባበ ናብ 2 ሚእታዊት ናይ ምጒዳል ሸቶኡ ክገድፍ ድማ ጻውዒት ጌራ። ኣብ ኖርዲያ ዋና ስትራተጂስት ባጤራ ማርቲን ኤንሉንድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ መንግስቲ ብስጡም ኣታሕዛኡ ኣብ ሸመታን ጠለብን ዝነበረ ምንቅስቓስ ብምዝራግ ማእከላይ ባንክ ወለድ ንኸጒድልን ዝቕባበ ክፍጠርን ጌሩ ኢሉ። ሓላፊ ትንታነ ባጤራ …

Read More »

ምሕዳስ ማእከላይ መዋፈሪ መጓዓዝያ ስቶክሆልም T ሰንትራለን 7 ዓመታት ከምዝወስድ ተሓቢሩ።

ምሕዳስ ማእከላይ መዋፈሪ መጓዓዝያ ስቶክሆልም ሶኑይ ጀሚሩ ንሸውዓተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮጀክት ምዃኑ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ተገሊጹ። እቲ ፕሮጀክት ናብ ሓሙሽተ መድረኻት ዝተኸፍለ ኮይኑ ምሕዳስ መዋፈሪ ማእከል፣መጸበዪ መድረኽን መስመራት መጓዓዝያ ዘጠቓለለ እዩ። እዚ መደብ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ማእከል መዋፈሪ መጓዓዝያ ዝርከብ ቦታታት ጽልዋ ከምዝፈጥር ይግመት። እዚ ናይ ምሕዳስ ስራሕ ሓደ ኣካል ናይ ሰሓብን ኣድማዕን ብቐሊሉ ክርከብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com