Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

ልዕሊ 7 ቢልዮን ክሮነር ዝግመት ንብረት ኣብ ጸላም ዓርቢ (black Friday) ተሽይጡ።

ብመሰረት ስታቲስቲክስ ኲባንያ ፖስት ሽወደን ፖስትኖርድ ኣብዚ ዓመት ዕዳጋ ጸሊም ዓርቢ (black Friday) ብ 7.1 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ። እዚ ማለት ምስ ናይ ዓሚ ብምንጽጻር ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልቲ ጸላም ዓርቢ ክሽምቱ ምምራጾምን ፍርቂ ካብዚ ሽመታ ብኦንላይን ከም እተፈጸመን ድማ ተፈሊጡ። ብማእከላይ ገምጋም ነፍሲወከፍ ዱካን ክሳብ ናይ 2890 ክሮነር …

Read More »

ሓድሽ ሕጊ፡ ንባንካታት ጥረ ገንዘብ ክቕበላ የገድድ።

ካብቶም 349 ኣባላት ባይቶ እቶም 299 ነቲ ሓድሽ ሕጊ ብምድጋፍ ነዚ ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ሕቶ ኣብዚ ግዜ መልሲ ንኽረክብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሙኻኑ እዩ፡።  እቲ ባይቶ ዳርጋ ብምሉኡ ነዚ ሕግዚ ደጊፉዎ፡ በዚ ድማ ኩለን ኣብዚ ሃገር ዘለዋ ባንክታት ሽሩፍ ጥረ ገንዘብ ኪቕበላ እየን። ሃገር ሽወደን ሽሩፍ ጥረ ገንዘብ ብምጥቃም መዳይ ጽንኩር ሕጊ ነይሩዋ፡ እዚ ድማ ነቶም ብዘይካ ሽሩፍ ካልእ ዘይፈልጡ ዜጋታት …

Read More »

ሓላፊት ሚኒስትሪ ዕዮኖርድማርክ፥ ትዅረተይ ን ቤትጽሕፈት ዕዮ ዳግማይ ንምጽጋን እዩ ትብል።

ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ ኩሉ ጻዕርታታ ነቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ንምጽጋን ከም እትገብሮ ሓቢራ። ንሳ ነቲ ናይ ዕዮ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ሃገር 132 ኣብያተጽሕፈት ኪዓጹ ምውጣኑ ነቒፋ። ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ነቲ እቲ መንግስቲ ንምግዳብ ስግኣታት ቤትጽሕፈት ዕዮ ዘውጽኦ ውጥን ኣቕሪባቶ፡ እዚ ድማ 900 ሚልዮን ክሩነር ኣብቲ ናይ ዚመጽእ ዓመት ባጀት ከም ዘይጠፍእ የውሕስ። ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ናይቲ ኣገልግሎት ስራሕ ቦርድ …

Read More »

ኖርወጅያዊት መገዲ ኣየር ነቲ ካብ ደንማርክን ሽወደንን ዚብገስ ነዊሕ በረራ ደው ኣቢላቶ።

ኖርወጅያዊት መገዲ ኣየር ዝሓለፈ ሮቡዕ ንግሆ ብምኽንያት ትሑት ኣታዊታት ነተን ካብ ደንማርክን ሽወደንን ዚለዓላ ነዊሕ ዚበራ ነፈርታ ደው ከም ዘበለተን ሓቢራ። ካብ መጋቢት 29-2020 ጀሚሩ ካብ ስቶክሆልምን ኮፐንሃገንን ተላዒለን ናብ ኣመሪካን ታይላንድን ዚበራ ነፈርቲ ደው ኪብላ እየን። ካብ ኦስሎ ናብ ኣመሪካ ዘሎ በረራ ግን ኪቕጽል እዩ። እቲ ሓጺር ወይ ማእከላይ በረራ ኣብቲ መኽሰብ ብዙሕ ለውጢ ኣይገብርን። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ …

Read More »

መስርዕ ምጽባይ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ስቶክሆልም በብዓመቱ ይዛይድ።

ገዛ ክራይ ኣባይቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆሎም ብስምካ ንምርካብ ብገምጋም ኣስታት 10 ዓመት መስርዕ ምጽባይ የድልይ። ኣብቲ ማእከል ነይታ ከተማ ገዛ ንምርካብ ክሳብ ሰለስተ ዓሰርተ ምጽባይ የድሊ። ንኣብነት ኣብ ኦስተርማል ዝተባህለ ሰፈር ገዛ ብስምካ ንምርካብ ኣስታት 6•5 ዓመት ኣብ ተርታ ምጽናሕ ይሓትት። እቲ ዝሓጸረ ዓመት ሪጋ ምግባር ዘድልየን ሰፈራት ድማ ፎርቨርይ 8•3፥ ብሬደንግ 8•6 ሃግሴትራ 9•1 ዓመትዩ። እቲ ቀንዲ ወሳኒ ኣብዚ …

Read More »

ቮልቮ፡ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 157 ኣውቶቡሳት ንምስራሕ ውዕል ከቲማ።

ኩባንያ መፍረ ኣውቶቡሳት ቮልቮ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ 157 ኣውቶቡሳት ንምስራሕ ምስ ኣህጉራዊት ኩባንያ Transdev ውዕል ከቲማ። እዚ ውዕል ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝዓበዩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣውቶቡሳት ምፍራይ ስምምዓት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ኣከባብያዊ ጉድኣት ከምዘይብሉን ኣብቲ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን። እዚ ውዕል’ዚ ሎሚ ሰሉስ ምስ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝዓበያ ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ዝኾነት ኩባንያ ዝተገብረ ስምምዕ ምዃኑን እዛ ኩባንያ ኣብ …

Read More »

ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወልዱ ሽወደናውያን ቡዙሕ ግዜ ንናይ ኢኮኖሚ ጸገም ተቃለዕቲ ሙካኖም ተሓቢሩ።

SCB ኣብ ዘውጾ ን ውደት (integration) ዝምልከት ጸብጻብ ከም ዘስፈሮ ኣብ ሽወደን ትሕቲ 10 ዓመት ዝተቀመጡን ካብ ኣውሮፓ ወጻኢ ዝተወለዱ ሰባት ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ካብ ወጻኢ ዘለው ናይ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ዝተፈልዩ እዮም ምክንያቱ ድማ እዞም ሰባት ድኩም ጽልዋ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ፡ ትሑት እቶትን መብዛሕቶም ክፋል ናይዚ ሕብረተሰብ ድማ ተጨቃጭቆም ዝነብሩዮም። ኣብቲ ናይ SCB ጸብጻብ ብዛዕባ ዉሕደት ኣብ ሽወደን …

Read More »

ባይቶ ሽወደን ንመዋቕራት ባጀት 2020 ከምዝጽደቖ ተገሊጹ።

እዚ ብመሰረት ስምምዕ ጥሪ ዝፍለጥ ናይ ምትሕብባር ውዕል ቀጽሪ ሓምላይ ኽመርን ክልተ ተቓወምቲ ሰልፊታት ሽወደንን እዩ ተፈጺሙ። ቀንዲ ዓንዲታት እዚ ባጀት እዚ ስዝዕብ እዩ፥ ሓፈሻዊ ወጻኢ ክሳብ 1.062 ትሪልዮን ክሮነር ኮይኑ 20 ቢልዮን ክሮነር ኣብ ዝተፈላለዩ ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊታት ከተኣታትዉዎም ዝህቅኑ ምምሕያሻት መንግስቲ ዝውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ ዝለዓለ መጠን ንምምሕዳራት ከተማ ጽላት ፍትሒ፥ ኢንዱስትሪ፥ ምትብባዕ ወፍሪ፥ ጒዳያት ከባቢን ክውዕል እዩ። …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንናይ መንገዲ ባቡር ስርዓተ ኣሰራርሓ ንምምሕያሽ ሓድሽ ትልሚ ይሕንጸጽ።

ኣብ ሽወደን ብተደጋጋሚ ንዘጋጥም ዘሎ ምድንጓይ ናይ ምድሪ ባቡር ምንቅስቓስ ኣመልኪቱ ናይ ነዊሕ ዝጠመተ ምፍትሒ ትልሚ ንኽገብር ምምሕዳር መጓዓዝያ ካብ መንግስቲ ሽወደን ሓላፍነት ተዋሂብዎ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ምስ ናይ ባቡር ስራሓት ዝነጥፋ ኩባንያታትን ምስ ናይ ጽገና ኩባንያታት ብምትሕብባር ነዊሕ ናይ ጽገና ትልሚ ንኽሕንጽጽ ብመንግስቲ ሽወደን ጠለብ ከምዝቐረበሉ ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ሽወደን፡ ቶማስ ኢኒሮስ፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ንዝሃቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ማዕከን …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዋጋታት ኣባይቲ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ካብ ኩባንያ ትንተና (Vlaue guard) ዝተረኽበ ወቕታዊ ዝስተኻኸል ሃገራዊ ዳህሳስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዋጋታት ናይ ኣባይትን መንበሪታትን ብ1% ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ። ኣብ ዝተፈጸሙ ናይ ኣባይቲ ውዕላት ብንጹር ጎሊሑ ዝረአ ዘሎ፡ ካብቲ ዓሚ ኣብዚ ከምዚ እዋን ዝነበሮ ኩነት ዋጋታት ኣባይቲ ብ10% ብምውሳኾም ንዕዳጋታት ኣባይቲ ኣኽቢርዎ ይርከብ። እዚ ኣሃዝ (10%) ምስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲን ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝነበሩ ዋጋታት ብምውድዳር ከምዝተረኽበ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com