Thursday , May 16 2024

ስራሕን ቁጠባን

300 ቢልዮን ክሮና ዝኸውን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ገንዘብ ናብ ዘይግብኦም ሰባት ተመቓሪሑ ተባሂሉ።

ሰብመዚ ድሕነትን ሰብኣዊ ድሕነትን ብዘካየድዎ ምክትታል ካብ 2005 ጀሚሩ 300 ቢልዮን ክሮና ዝኸውን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ገንዘብ ናብ ዘይግብኦም ሰባት ምምቕርሑ ገሊጾም። እዚ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ክንሱ ምንም ንዕኡ ከትርፍ ዝኽእል ኣገባብ ዘይምትእትታዉ’ውን ኣቃሊዖም። ኣብ ሰባኣዊ ድሕነት ሓላፊ እዚ ክፍሊታት ሴቨን ኤሪክ ኦስተርበርግ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዝራቚ ንምዕጋት ኣገባባት ከእቱ እማመ ከቕርብ ምዃኑ …

Read More »

ብዙሓት መንእሰያት ን ከትማ ስቶኮልም ይገድፍዋ!!

ብዙሓት መንእሰያት ካብ ስቶክሆልም ይወጹ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ድማ ናይ መጀመራያ ተርእዮ ድሕሪ 2015 ኮይኑ ተራእዩ ኣሎ። መብዛሕትኦም ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 34 ዘለዉ መንእሰያት ኣብ ስቶክሆልም ምንባር ከም ዘይመርጹ ተገሊጹ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብ ስቶክሆልም ናብራን ክራይ ኣባይትን ኣዝዩ ክብር ዝበለ ብምዃኑ እዩ ተባሂሉ። እንተኾነ ግን ዛጊት ብዙሓት ኣብ ስቶክሆልም ዝተወልዱ መንእሰያት ኣብታ ከተማ ምንባር ምቕጻሎም ድማ ተመልኪቱ።

Read More »

ቻይናውያን ብዙሓት ኲባንያታት ሽወደን ይገዝኡ ኣለዉ ክብል መጽናዕታዊ ትካል ምክልኻል ኣፍሊጡ።

ቻይናውያን ኣውፈርቲ በብግዜኡ ብዙሓት ኲባንያታት ሽወደን ይገዝኡ ኣለዉ ክብል ሓድሽ መጽናዕታዊ ውጽኢት ትካል ምክልኻል ሽወደን ሓቢሩ’ሎ። “ቻይና ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት፡ ማሽነሪ፥ ባዮቴክኖሎጂ፥ ኣይሲቲን ኤለትሮኒክስን ሓድሽ ተገዳስነት ተርኢ ኣላ” ክብል ተንታኒ ፖሊሲ ድሕነት እቲ ትካል ጀርከር ሄልስትሮም ይገልጽ። እቲ ትካል ብደረጃ ሰብ ሃብቲ ውልቀሰባት ወይ ኲባንያታት ቻይናውያን ዝገበርዎ ዕድጊ ዝድህስስ 51 ኣብነታት ኣቕሪቡ። እዘን ኲባንያታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት እየን ተሸሚተን …

Read More »

ኣብ ዝመጽእ 15 ዓመታት 21 ሽሕ መማህራን ክድለዩ እዮም ተባሂሉ።

ብመሰረት ትጽቢታት ኤጀንሲ ሃገራዊ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ዞባ ስኮና ኣብ ኣብ ዝመጽእ 15 ዓመታት 21 ሽሕ መማህራን ክድለዩ እዮም ተባሂሉ። ብሰንኪ ጡረታ ዝወጹ መምህራን ሃጓፍ ንምምላእ ስልጠና መማህራን ምቅልጣፍ ኣድላዪ እዩ ዝበለ እቲ ኤጀንሲ ምውሳኽ ህዝቢ እታ ከባቢ ካልእ ደራኺ ረቛሒ ምዃኑ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ድሕረ ባይታ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ማልም ኣንደርስ ኣልሰን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ምምህርና …

Read More »

ብሪጣንያ ብዘይውዕል ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጻእ ንስቶክሆልም 17 ቢልዮን ክሮነር ክሳራ ከምጽኣላ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ቻምበር ኮመርስ ስቶክሆልም ኣብ መንጐ ስቶክሆልምን ብሪጣንያን ዘሎ ንግዳዊ ርክባት ዘመልክት ስታቲስቲክስ ምፍናዉ ተገሊጹ’ሎ። ዋጋ ሰደድ ስቶክሆልም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ 17 ቢልዮን ክሮና ዝበጽሐ ኮይኑ ክልተ ሲሶ ካብዘን ኲባንያታት ካብ 50 ንላዕሊ ሰባት ዘይቈጽራ ናእሽቱ ኲባንያታት እየን ድማ ይብል እቲ ጸብጻብ። እዚ ብምምልካት ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብውዕል ክትወጻ ይግባእ እዩ ክብል ዋና ክኢላ ስነቚጠባ ቻምበር ኦቭ ኮመርስ ስቴፋን …

Read More »

ካብ ምጅማር ዓመተ ትምህርቲ ኣትሒዙ 146 ቆልዑ ሽወደን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይምስታፎም ተገሊጹ።

ብውሑዱ 146 ተመሃሮ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦኺሮም ከም እተረኽቡ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ። ደቀንስትዮ ሽውደን ካብ ምጅማር እዚ ዓመት እዚ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘይተረኽባሉ ምኽንያት ምናልባት ስድረአን ናብ ካልእ ከተማ ስለዝገዓዙ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ’ሎ። ካብተን ተመሃሮ ዝቦኸሩለን 30 ምምሕዳር ከተማታት እተን 23 ዛጊት ምኽንያት እዚ ኲነት ኣርጊጸን ከም ዘይፈልጣ ድማ ተመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ …

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ 2021 ናብ 7.4 ሚእታዊት ክብ ክብል እዩ ተባሂሉ።

ካብ በዓልመዚ ዕዮ እተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ክሳብ 2021 ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 6.8 ናብ 7.4 ሚእታዊት ክብ እናበለ ክኸይድ እዩ። እዚ እናኾነ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመት ኣጸቢቑ ክውስኽ እዩ ክትብል ሬድዮ ኤኮት ሓቢራ። ብመሰረት ክኢላታት እዚ ለጠቕታ ናይ ስራሕ ጠለብ ክውስኽ ምዃኑን ጋግ ተድላዪ ጥበብን ክእለት ሰራሕተኛታትን ክውስኽ እዩ። እቲ በዓልመዚ ብተወሳኺ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ስራሕ ምድላይ ኪኸብድ ሙኻኑ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ቤትጽፈት መራኸቢ ስራሕ ወይ ኣርበትስፎርመሊንገን ጥራይ እዩ ስራሕ ንምርካብ ዚሕግዝ። ግን ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ንብሕታውያን ትካላት ኣብ መዳይ ስርሕ ንኽሕግዛ ስልጣን ተዋሂበን ኣለዋ። እዚ ድማ በቲ ሰንተርፓርቲን ሊበራልን እዩ ተወሲኑ። ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ካልእ ኪሰርሕ እዩ። ስለዚ ብዙሓት ኣብ መላእ ሃገር ዚርከባ ናይዚ ትካል’ዚ ጨንፈራት ኪዕጸዋ እየን። ስለዚ፡ እቲ ደላይ ስራሕ ነዘን ትካላት እዚኣተን ደልዩን መሪጹን ኪውከሰን እዩ። ይኹንምበር …

Read More »

ማርያ ሚንድማር ዳይረክተር ጀነራል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኮይና ተመዚዛ።

ሚኒስተር ዕዮ ኢቫ ኖርድማርክ ንማርያ ሚንድማር ዳይረክተር ጀነራል ቤትጽሕፈት ዕዮ ጌራ ምምዛዛ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እዛ ሓዳስ በዓልቲ መዚ ኣብ በዓልመዚ ቀረጽን ትካል ሃገራዊ ትምህርትን ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ስራሕ ተመኲሮ ዘለዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና ዳይና ኮይና ምግልጋላ’ውን ተገሊጹ። ንሳ “ዓብዪ ሓላፍነት ኢና ተሰኪምና ዘሎና፥ ካብዚ ዘልሓጥ ምባል ፍጹም ክንሓስቦ የብልናን” ክትብል ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቃላ ሂባ። መንግስቲ …

Read More »

ውጺኢት ትምህርቲ ተምሃሮ ሽወደን ርኡይ ምምሕያሽ ከምዝርኣየ ተሓቢሩ።

ኣብ መንጐ ሃገራት OECD ውጽኢት ተመሃሮ ሽወደን ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ተገሊጹ። ይዂን’በር ኣብ መንጐ ኣዝዩ ንኡድ ዝበሃል ነጥቢ ዘምጽኡን ኣዝዩ ትሑት ነጥቢ ዘምጽኡን ዘሎ ጋግ እናወሰኸ ምኻዱን ድማ ተፈሊጡ። ኣብ ክሊ 15 ዕድመ ዘለዉ ሽወደናውያን ምስ ናይ ዓሚ ብምንጽጻር ኣብ ቊጽሪ ጽቡቕ ነጥቢ ምምጽኦምን ኣብ ሳየንስን ምንባብን እውን ጽቡቕ ምምዝጋቦምን ኣብ መንጐ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝነበረ ጋግ ፍልጠት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com