Monday , April 29 2024

ስራሕን ቁጠባን

ስድራቤታዊ ልቓሕ ሽወደን እናዓበይ ምምጽኡ ተገሊጹ።

ስድራቤታዉ ልቃሕ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥሪ እናዓበየ ምምጽኡ ሓደስቲ ኣሃዛት ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣመልኪቶም። እዚ መጠን ዕቤት 5.1% ምዃኑን ምስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝነበረ 0.1% እንክነጻጸር ዓብዪ ዝላ ምዃኑ ተገሊጹ።፡ ኣጠቓላሊ ዘቤታዊ ልቓሕ ወርሒ ጥሪ ናብ 3458 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ምዕባዩን ምስ ናይ ዓሚ ዕቤት( ማለት 13 ቢልዮን ክሮና ሽወደን) እንክነጻጸር ገዚፍ ዕቤት ምዃኑን ተመልኪቱ። ምስ ልቓሕ ኣባይቲ እተተሓሓዘ ስታቲስቲክስ …

Read More »

News Magazine 06 March 2020 ዜና መጽሄት 06 መጋቢት 2020

Read More »

ኣብዚ ሰሙ ከፈልቲ ናይ ግብሪ ቅጥዒ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክቕበሉ ጀሚሮም።

ሎሚ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ከፈልቲ ግብሪ ናይ 2019 ቅጥዒ ቀረጽ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክቕበሉ እዮም ተባሂሉ። በዓልመዚ ቀረጽ ነዞም ቅጥዕታት ካብ 11 መጋቢት ጀሚሩ ክልእኮም እዩ። ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ዲጂታላዊ ኣገባብ ዝጥቀሙ ከፈልቲ ግብሪ ምውሳኹን ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሉ ምብጽሑን ድማ ተገሊጹ። ነዚ ናይ ቀረጽ ኣዋጅ ዝተሰማምዓሉ ዘበለ ሰብ ነቲ ዝግብኦ በቲ ዝስደደሉ ዲጂታላዊ ቅጥዒ ኣቢሉ ከማልእ ከም ዝግባእ ድማ …

Read More »

ብተክኒካዊ ጸገም ዘቛረጸ ኣገልግሎት ኤለትሮኒክ ስወድባንክ ዳግማይ ጀሚሩ።

ብምኽንያት ተክኒካዊ ብልሽት ኣቋሪጹ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢለትሪክ ባንክ ካብ ረቡዕ መዓልቲ ጀሚሩ ስርሑ ከም ዝቕጽል ተገሊጹ።፡ ” እቲ ሽግር ደጊም ተፈቲሑ እዩ፥ ከም ቀደሙ ኣገልግሎት ክህብ ድማ ጀሚሩ’ሎ” ክትብል ዳይረክተር እቲ ባንክ ካሪና ሰሰር ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እታ ባንክ ካብ ብርክት ዝበላ ሳምንቲ ኣትሒዛ ተክኒካዊ ብልሽታት ከጋጥማ ምጽንሑን እዚ ናይ ሕጂ ግና ኔለክትሮኒካዊ ኣገልግሎታ ጥራይ ምጽላዉን እቲ መግለጺ …

Read More »

ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሽወደን ዋጋ ናይ ኣፍ ማስኬራ ብናህሪ ይውስኽ።

ልዑል ጠለብ መሳለጥያ ምስትንፋስ ብምውሳኹ ኣብ ኣብያተ ኣፋውስ ሽወደን ብልዑል ዋጋ ክሽየጥ ምጅማሩ ተገሊጹ። ኣብ ፋርማሲታት ክሳብ 900 ክሮና ምብጽሑ ድማ ተገሊጹ። ብርክት ዝበላ ኣብያተ ኣፋውስ ብምኽንያት ኣዝዩ ልዑል ጠለብ ማስኬራ ምውድአን ይገልጻ ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ኣፋውስ ዋጋታት ብዝተጋነነ ብንሃር እዚ መሸጣ ብሓደ ግዜ ብ220% ምውሳኹ ከም ሓደ ኣገራሚ ክስተት ተጠቂሱ’ሎ።

Read More »

ምስ ኮሮናን ኤችኣይቪን ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክግበረሎም ብዛዕባ ዝኽእለሉ ኲነታት መምርሒ ተዋሂቡ።

ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ብኤችኣይቪን ቫይረስ ኮሮናን እተለኽፉ ሰባት ብፋይናንስ ዝሕገዙሉ ኣገባባት ክረበሉ ሓድሽ መምርሒታት ሎሚ ኣውጺኡ። እቲ ትካል ብምኽንያት ጥዕናኡ ብሓኪም ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ዝብል ምስክርነት እተዋህቦ ሕሙም ሓገዝ ክግበረሉ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እቲ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሉ ሰብ ጒዳይ ሽቕለቱ ከመይ ምዃኑ ዘነጽር ቅጥዒ ከም ዘለዎ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት ምንግስቲ ሽወደን ምስ ዝተፈላለያ ትኻላት ርኽብ ገሩ።

ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስቲ ሚኒስተራት ብዓርቢ ምስ ኲባንያታት፥ ጒጅለ ኢንዱስትሪታትን ማሕበራትን ሽወደን ብምርኻብ እዚ ሕማም ብዛዕባ ኣብ ቊጠባ ዘምጽኦ ጽልዋ ዘተ ምክያዱ ተገሊጹ።፡ እዚ ሕማም ናብ 45 ሃገራት ምስፍሕፋሑን ኣብ ቢዝነሳትን ሰንሰለታት ቀረብን ሽግር ይፈጥር ምህላዉ ተመልኪቱ’ሎ። ከምኒ ቦልቮን ኤሪክሰንን ዝበሉ ቢዝነሳት፡ሽወደን ሰራሕተኛታቱ ናብ ቻይና ዝገብርዎ ጒዕዞ ምእጋዱን ገለ ኣባላት እዘን ቢዝነሳት ድሮ በዚ ሕማም ተለኺፎም ከይኰኑ ጥርጣረ ከም ዘሎን …

Read More »

ሽወደን ንመኸተ ቫይረስ ክሮና ዝውዕል 40 ሚልዮን ክሮና ንውድብ ጥዕና ዓለም ብመልክዕ ሓገዝ ሂባ።

ሽወደን ትሕት ዝበለ ደረጃ ክንክን ጥዕና ሃገራት መኸተ ንኸሳልጣ ዝሕግዝ ናይ 40 ሚልዮን ክሮና ረድኤት ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ምህባ ተገሊጹ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንገርን ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓትን ፒተር ኤሪክሰን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ እቲ ውድብ እንተሓዪሉ ቫይረስ ክሮና ናይ ምልባዕ ዕድሉ ክጐድል እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ኣብሪሆም ኣለዉ። ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብቲ ዋዕላ …

Read More »

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ፡ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንሰለስተ ቈልዑ ጥራይ ክወሃብ ትብል።

ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ መንግስቲ ንምምሕዳራት ከተማ ደገፍ ክህብን ሽቕለት ከጉድልን ጸዊዓ። መራሒት እታ ሰልፊ ኢባ ቡሽ ቶር ካብቶም 400 ሽሕ ሰባት 126 ሽሕ ዝኾኑ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ብምምሕዳራት ከተማ ከም ዝእለዩ ኣመልኪታ። ብተመሳሳሊ ደረጃ እታ መርሒት ሰልፊ ሰለስተ ቈልዑ ስድራ ጥራይ ክሕገዙ ጠሊባ’ላ። እዚ ኣገባብ ስድራቤታት ስራሕ ንኸናድያ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ክትብል ቡሽ ቶር ገሊጻ’ላ።

Read More »

ሽወደን ን ሳይንሳዊ መናዕቲ እተበርኽ ሳተላይት ናብ ጠፈር ሊኢኻ።

ሽወደን ኣብ ህዋ ዝረከብ ኣውሮራ ቦርያሊስ ንምጽናዕ ናይ ምርምር ሚሳይል ናብ ጠፍር ሊኢኻ። ትማል ምሸት ኣብ መደበር ጠፈር ሽወደን ጥቃ ከተማ ኪሩና ስፓይደር-2 ዝተባህለ ሚሳይል ንሳይንሳዊ መዓላ ክበሃል ምውንጫፋ ተፈሊጡ። እቲ ምውንጭፍ ሚሳይል ምቹእ ክሊማ መሰረት፡ብምግባር ክሳለጥ ምግባሩ ድማ ተመልኪቱ። ዳይረክተር ስፓይደር-2 ክሪስተር ሽሩደር ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበሮ ቃለመጠይቕ ኣብዘን ሚሳይላት 13 ናይ መዐየሪ መሳርሒታት ምህላዎምን እዚኣቶም ኤለክትሮኒካዊ ጸርጊታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com