Sunday , May 12 2024

ሽወደን ንመኸተ ቫይረስ ክሮና ዝውዕል 40 ሚልዮን ክሮና ንውድብ ጥዕና ዓለም ብመልክዕ ሓገዝ ሂባ።

ሽወደን ትሕት ዝበለ ደረጃ ክንክን ጥዕና ሃገራት መኸተ ንኸሳልጣ ዝሕግዝ ናይ 40 ሚልዮን ክሮና ረድኤት ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ምህባ ተገሊጹ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንገርን ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓትን ፒተር ኤሪክሰን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ እቲ ውድብ እንተሓዪሉ ቫይረስ ክሮና ናይ ምልባዕ ዕድሉ ክጐድል እዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ኣብሪሆም ኣለዉ።

ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ኣብቲ ዋዕላ ምስታፉን ሽወደን ንዝገበረቶ ሓገዝ ምምስጋኑን ድማ ተገሊጹ። ንሱ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ ዓውለማዊ ጻዕሪ ምክያድ ግዜ ዝጠልቦ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣቐድም ኣቢል ኮሚሽነር ምቊጽጻር ዕንወት ኣውሮጳዊ ሕብረት ጃንዝ ሌናርኪ ተወሳኺ 230 ሚልዮን ዩሮ ማለት 2.5 ቢልዮን ክሮና ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ ብዝብል ብሓገዝ ምብርካታ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com