Sunday , May 12 2024

ስራሕን ቁጠባን

ዳህሳስ፦ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዳይ ክርክር ሞግዚትነት፡ ንህጻናት ሸለል ይብል ተባሂሉ

ኣብ መንጐ ወለዲ፡ ብጉዳይ ሞግዚትነት ክርክር ኣብ ዝለዓለሉ እዋን፡ ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሓደ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ ኤኮት ዘዳለዎ ሓዲሽ ዳህሳስ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ኢዱ ካብ ምእታው ስለ ዝቑጠብ እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጉዳይ ህጻናት ሸለል ከይበለ ኣቓልቦ ክህብ ከም ዝግባእ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።   ኣብ እዋን ክርክር ሞግዚትነት፡ …

Read More »

ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ኮሮና ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ውዕል ተፈራሪማ

ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ንምርካብ ዘኽእላ ሓድሽ ውዕል ከምዝፈረመት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤሪስትሮም ንSVT ሓቢሩ። ስም እዛ ኩባንያ ዘይጠቐሰ ቤሪስትሮም፡ ሽወደን ምስ ሓንቲ ካብተን ፍሉጣት ኩባንያታት መድሃኒት ዓለምና ዝኾነት ውዕል ከምዝፈረመትን ኣብ ዝቕጽል እዋን ድማ ምስ ዝተፈላለያ ተወሰኽቲ ኩባንያታት ውዕል ክትፍርም ምዃና ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ መድሃኒት ኮሮና እዚ እዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት ስለዘየለ፡ ሽወደን፡ ዝተፈላለየ መድሃኒት ንምርካብ ምስ ዝተፈላለያ ኩባንያታት …

Read More »

ኣብ መስመር ዮቶቦሪ፡ ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ተገምጢላ

ኣብ ሰቨናስ፡ ዮቶቦሪ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት ባቡር ብምግጫወን ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ከምተገጠለትን ሰብ መዚ መጓዓዝያ ድማ ነቲ መስመር ድሕሪ ምዕጻው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ቶርፓስኮላን (Torpaskolan) ሓንቲ መዋእለ ህጻናትን ዝነበሩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ነቲ ቦታ ሓዲጎም ከምዝወጹ ገይሮም ክብል SVT ሓቢሩ። ፖሊስ’ቲ ከባቢን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ኣብ ከባቢ ሰዓት 5:35 ወጋሕታ ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ዓሰርት ዝኾና ኣሃዱታት ፖሊስ ናብቲ …

Read More »

ኣብ መንጎ ሕሉፋት እስላማውያንን ምምሕዳራትን ናይ ሚልዮናት ክሮና ስምምዓት ከም ተኻየዱ ተፈሊጡ

ተሌቪዥን ሽወደን፡ ኣብ ዘካየዶ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 50 ዝኾና ብጥሩፋት እስላማውያን ዝውነና ውድባትን ኩባንያታትን ብሓደ ቢልዮን ክሮና ዝግመት ኣብ ውሽጢ ሽወደን ወፍሪ ምግባረን ኣቃሊዓ። ዝበዝሐ ካብዚ ገንዘብ፡ ኣብ ጽላታት ውልቃውያን ቤት ትምህርታት ዝወዓለ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ። ብመሰረት ጸብጻባት መርበብ ሓበሬታ ሲረን፡ ኣስታት 550 ሰባት ምስ እስላማውያን ጥሩፋት ወገናት ርክብ ዘለዎም ምዃኖም ሓቢሮም።   ርጉጽ’ዩ፡ ዕላማ እዘን ኩባንያታት …

Read More »

ንውሱናት መንግስታውያን ትካላት ሽወደን፡ ተወሳኺ ስልጣን ዝህብ፡ ዝተመሓየሸ እማመ ሕጊ ቀሪቡ ተባሂሉ

በዓልመዚ ጸጥታ ሽወደን ሳፖን (SAPO) ሓይልታት ምክልኻልን ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሮም፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፍን ኣገዳስን ዕዮ ንእተዋፈራ ከም ናይ ጸዓት፡ ትሕተ-ቕርጽን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዝነጥፋ ኩባንያታት ኣብ ዝሸይጣሉ እዋን፡ ናይ መሸጣ መስርሕ ክዓግቱ ዘኽእሎም ስልጣን ንኽህልዎም፡ ካብ መንግስቲ ናብ ቆንስል ሕጊ፡ ዝቐረበ እማመ ኣብሪሁ። ብዙሓት ሃገራት ዓለምና፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን መኽሰብ ንምርካብ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሰራርሓ ከም ስትራቴጂ ተጠቂመን ክሰርሓሉ’ኳ እንተጸነሓ፡ ሽወደን ግን …

Read More »

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን ሻውዓይ ክፋል ብ መም ሃገር ተክላይ SFI NYBÖRJARE

Read More »

ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ኤሚግሬሽን ሽወደን

ጉዳይ፡ ብጌጋ ዝተላእከ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ኣቢሎም መንበሪ ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ብጌጋ፡ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ክመጾም ከምዝጀመረ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ከተኣታቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ነቶም ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ መልእኽቶም ከምዝተቐበሎ ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ …

Read More »

ግሬታ ቱምበሪ ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ተመሊሳ

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ታቤላ ሒዛ ደው ዝበለትሉ ከባቢ ሚንቶሬት፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ፓርላም ሽወደን፡ ግሬታ ቱምበሪ፡ ተቓውሞኣ ንምቕጻል ተመሊሳ ከምዘላ ምንጭታት ሓቢሮም። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ቱምቤሪ፡ ተቓውሞኣ ብመንገዲ ኢንተርኔት ሰሙናዊ ብቐጥታ ተመሓላልፍ ከምዝጸነሐት ይዝከር። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ኢንስተግራም ሒሳባታ  “መበል 106 ሰሙን ምሕሳም ትምህርቲ። ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ናይ ምምላስ እዋኑ ኣኺሉ” ክትብል ከምዝጸሓፈት ተፈሊጡ ኣሎ። ቱምቤሪ፡ …

Read More »

ቆልዑ፡ ኮሮና ቫይረስ ኣየማሓላልፉን እዮም ተባሂሉ

ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ቆልዑ፡ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ሕማም ብዛዕባ ዘለዎም ተራ ኣከራኻሪ ሓበሬታታት ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ገለ ሓካይም ናህሪ ለበዳ ንምውጋድ ህጻናት ናይ ኣፍ ማስክ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል መጐተ ከቕርቡ ምጽንሖም ገሊጹ። ቆልዑ፡ ቫይረስ ኮሮና ኣየማሓላልፉን እዮም፡ ወይ ድማ እቲ ንሳቶም ዘውርድዎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ ክብሉ ሓካይም ፊንላንድ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ 11 ሽሕ ቆልዑ ድሕሪ ዝገበርዎ …

Read More »

ዜናታት ትግርኛ Tigringa News 26/08/2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com