Monday , May 13 2024

ኣብ መስመር ዮቶቦሪ፡ ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ተገምጢላ

ኣብ ሰቨናስ፡ ዮቶቦሪ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት ባቡር ብምግጫወን ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ከምተገጠለትን ሰብ መዚ መጓዓዝያ ድማ ነቲ መስመር ድሕሪ ምዕጻው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ቶርፓስኮላን (Torpaskolan) ሓንቲ መዋእለ ህጻናትን ዝነበሩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ነቲ ቦታ ሓዲጎም ከምዝወጹ ገይሮም ክብል SVT ሓቢሩ።

ፖሊስ’ቲ ከባቢን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ኣብ ከባቢ ሰዓት 5:35 ወጋሕታ ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ዓሰርት ዝኾና ኣሃዱታት ፖሊስ ናብቲ ቦታ ከምዘምራሓ ተፈሊጠን።

ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራታት ጀሚሩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እታ ዝተገምጠለት ባቡር፡ ሓደገኛ ዝኾነ ጽዕነት፡ ማለት፡ ኢታይሊን ኦክሳይድን ሃይድሮጂን ፐርኦክሳይድ (Ethylene oxide and hydrogen peroxide) ጽዒና ከምዝነበረት ዝሕብር እዩ። ስለዝኾነ ድማ ዝግባእ ጥንቃቐ ንገብር ኣለና ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን ዮቶቦሪ፡ ኣንድሽ ሂልምቦርን፡ ገሊጹ።

እቲ ጽዕነት፡ ተፈንጃሪ ባእታ ከም ዝኾነን፡ ሶሊኹ ንደገ ዝፈሰሰ ከምዘሎ ዝሕብር ምልክት እኳ እንተዘየለ፡ ንዝያዳ ምርግጋጽ ግን፡ ዳህሳስ ይግበር ምህላዉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ።  

ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ መስመር ባቡር፡ ዮቶቦሪ – ኾፍዳ – ስቶክሆልም ተጸልዩ ምህላዉ ይፍለጥ። ናይ ባቡር ምንቅስቓስ መዓስ ከምዝጅምር ግን ክንግምግሞ ዝከኣል ኣይኮነን ክብል ሂልምቦርን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com