Sunday , April 28 2024

ስራሕን ቁጠባን

Harmony Media News 08/03/2021

Read More »

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ 8.7% ቀጺሉ

ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ውሑድ ለውጢ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ውን፡ ብዙሕ ለውጢ ከየርኣየ፡ ከምዝቐጸለን መጠንቀቕታ ዝተዋህቦም ሰራሕተኛታት ድም ውሑዳት ከምዝነበሩን ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ሓቢሩ። ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት፡ ስራሕ ኣልቦ ምዃኖም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ከንደኦም ዝኣኽሉ ድማ ስራሕ ከምዝረኸቡ እቲ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምሕባሩ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ብዘይ ለውጢ ከምዘለዎ ኣብ 8.7% ኮይኑ ከምዝቐጸለ ኣፍሊጡ። ኣብ …

Read More »

ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነ፡ ሓደገኛ ባእታ ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሉ

13% ካብቶም ሕሱር ዝዋግኦም ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነን ካብ ዘይተፈልጡ ኩባንያታት ዝዕደጉ መዳወርን (cables)፡ ከም ዓረር (lead)ን ሕንጻይ ክሎሪን (chlorine paraffins) ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ባእታታት ከም ዘለዎም ሽወደናዊ ኬሚካላዊ ኤጄንሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ 263 ዝኾኑ ከም በዓል ናይ ክሽነ ሚዛን (kitchen scales)፡ መኸሸኒ እንቋቅሖ (egg cookers) መጥበስን (toasters) ዝኣመሰሉ  ፍርያታት ከምተኻየደን ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ 33 ፍርያታት፡ ንሰብን …

Read More »

ማዕረነት መስል ምርጫ ዝተረጋገጸሉ ንምዝካር፡ ኣብ ቴምብር ሰፊሩ

ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመጀመርያ ግዜ ድምጸን ክህባ መሰል ዝረኸባሉ ናይ 1921 ምርጫ፡ ሎሚ መበል 100 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። ፖስትኖድ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ መስል ምርጫ ንምዝካር፡ ሓድሽ ቴምብር ከምዝዘርገሐ ሓቢሩ። እቲ ቴምብር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ዘካይዳ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዘ ምዃኑ፡ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ቴምብር፡ ካብ …

Read More »

ሓድሽ ሜላ፡ ነተን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓሸ ዕድላት ስራሕ ይፈጥር

ልዕሊ 1300 ዝኾና፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንገዲ ኣርቤትስፎርሜድሊን ዘተኣታተዎ ሓድሽ መወዳደሪ ሜላ፡ ስራሕ ክረኽባ ከምዝኸኣላ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ። መብዛሕትአን እዘን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ውልቃዊ ታሪኽ ናይ ስራሕ ተሞክሮአንን ትምህርተንን (CV) ጥርሑ እዩ ዝጸንሕ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ፡ ወግዓዊ ዘይኮነ ግን ድማ ብቕዓት ዘለወን ኮይነን ከምዝተረኽባ እቲ …

Read More »

መንኰርኰር ናሳ: መሬት ማርስ ትረግጽ

ሓዳስ መንኰርኰር ናሳ፡ ኣብዚ ሰሙን፡ ሓመድ ፕላኔት ማርስ ረጊጻ ክትብል ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። እዛ ፐርሲቨራንስ ዝስማ መንኰርኰር ኣብ ማርስ ኣሰር ህይወት እንተሎ ምምርማር ቀንዲ ዕላማኣ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ። ነዚ ጒዕዞ ኣብ ምውህሃድ ዝነጥፍ መሃንዲስ ናሳ፡ ሪች ሪበር፡ “ናብ ማርስ እንገብሮ ዘይተርፍ ጒዕዞ በዚ ጀሚርናዮ ኣሎና። እዛ ተበግሶ ታሪኻዊት እያ ኢሉ’ሎ። ተቘጻጸርቲ እዚ በረራ እቲ ተልእኾ ብዓወት ንኽዛዘም ኣብ ነቚጣኦም ኮይኖም …

Read More »

ኬንያ: ሓንቲ ከተማ ብዂለንትናኣ ንጣልያን ትመስል

ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ማሊንዲ ኣብ መበል 13 ክ/ዘመን እያ ተደኲና። እዛ ካብ ሞምባሳ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ መዘናግዒት ከተማ ማሊንዲ ካብ 1960ታት ንደሓር “ንእሽቶ ኢጣልያ” ተባሂላ እያ ትጽዋዕ። እዛ ናይ በጻሕቲ ከተማ ብናይ ጣልያን ኣብያተ መግቢ፥ እንዳ ፒዛ ድሊን ጀላቶን ዝደመቐት ኮይና ኣበየ ጎደናኣ ድማ ብቋንቋ ጣልያን ዝተጻሕፉ ዓበይቲ ቢልቦርድ ይረኣያ። ኣብዛ ከተማ፡ …

Read More »

Harmony Media News 05-03-2021

Read More »

ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ብብዝሒ ከፍሪ ይምድብ

ኩባንያ መካይን ቮልክስዋገን፡ ንመጠን ብዝሒ ብኤሌክትሪክ ናይ ዝሰርሓ መካይን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዓመተ 2030፡ ክሳብ 35% ከፍሪ መዲብዎ ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 70% ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ። ብኣክሰለረይት (Accelerate) ዝፍለጥ ሓዲሽ ስትራተጂ ብምጅማር፡ ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ዝግበር መስርሕ ምስግጋር ከቀላጥፎ ወሲኑ ኣሎ። ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ንፍርያቱ፡ ኣብ ዓመተ 2025፡ ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንምስግጋር፡ ሃይብሪድን ዲጂታላውያን ንምግባረን ናይ 162 ቢልዮን ክሮና …

Read More »

ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ንኽዳሎ፡ እማመ ቀሪቡ

ሃገረ ሽወደን፡  ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ካብ ዕለት 01 ሰነ 2021፡ ንኽትጅምር ብመንገዲ ሚኒስተር ዲጂታላዊ ስራሓት፡ ኣንደሽ ኢገማን (Anders Ygeman)  እማመ ከምዝቐረበ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ብቱሪዝም ዝናበራን ካልኦት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያ እገዳታት ተወዲኡ ናብቲ ንቡር ንኽምለስ፡ ነዚ ናይ ክታበት ምስክርነት ይጽበያ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት ንምጽፋፍ፡ ቀጻሊ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ፡ ኢገማን፡ እቲ ምስክርነት፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com