Monday , May 13 2024

ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነ፡ ሓደገኛ ባእታ ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሉ

13% ካብቶም ሕሱር ዝዋግኦም ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነን ካብ ዘይተፈልጡ ኩባንያታት ዝዕደጉ መዳወርን (cables)፡ ከም ዓረር (lead)ን ሕንጻይ ክሎሪን (chlorine paraffins) ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ባእታታት ከም ዘለዎም ሽወደናዊ ኬሚካላዊ ኤጄንሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ 263 ዝኾኑ ከም በዓል ናይ ክሽነ ሚዛን (kitchen scales)፡ መኸሸኒ እንቋቅሖ (egg cookers) መጥበስን (toasters) ዝኣመሰሉ  ፍርያታት ከምተኻየደን ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ 33 ፍርያታት፡ ንሰብን ኣከባብን ሓደገኛ ዝኾኑ ባእታታት ከምዘለዎም፡ እቲ መጽናዕቲ፡ ሓቢሩ።  

እቶም ፍርያት ናይ ዘይተፈልጡ ኩባንያታትን ሕሱር ዝዋግኦም ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነን እቶም ቀንዲ ጸገማት ጥዕና ክፈጥሩ ዝኽእሉ እዮም። ኣብ ዕዳጋታት ምስ ዘሎ ገዚፍ መጠን ቀረብ ኣቕሑ፡ ተጠቃማይ፡ ብጥንቃቐ ክመርጽን እቲ ዝመርጾ ፍርያት፡ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዘለዎ ጽልዋ ምፍላጥ ከድልዮ ምዃኑን ኣብቲ ኤጀንሲ፡ ተቖጻጻሪ ዝኾነ ማርኮስ ሆግቤሪ፡ ሓቢሩ።

ኩለን እተን ልዕሊ ዓቐን ዘይፍቑድ መጠን ሓደገኛ ባእታ ዝሓዙ ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነ ዘፍርያ ኩባንያታት፡ ከምዚኣቶም  ዝዓይነቶም ፍርያታት  ከምዘቋረጸኦ ኣፍሊጠን ኣለዋ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com