Monday , May 13 2024

ስራሕን ቁጠባን

Harmony Media News 01-03-2021

Read More »

ኦስሎ፡ መስርሕ ዕጽዋ ጀሚራ

ርእሰ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 01 መጋቢት ጀሚራ ክሳብ 15 መጋቢት ዝጸንሕ ዕጽዋ ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ 50% ክሳብ 70%  ናይ ሓደስቲ መልከፍቲ፡ ብብሪጣንያዊ ኮሮና ዝፍለጥ ጅር (ዓሌት)፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ብምፍላጡ እዩ። ብሪጣንያዊ ጅር፡ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ኮሮና፡ ዝፈልዮ ነገር እንትድኣ ሃልዩ፡ ቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ። ኣብያተ ንግድን ቤት ምግብታትን ድማ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ኣመሓላሊፋ

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ብመንገዲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር’ታ ሃገር፡ ሳና ማሪን፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ካብ ዕለት 8/03 2021 ጀሚሩ፡ ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል’ታ ሃገር፡ መስርሕ ዕጽዋ ክግበረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ እዋን’ዚ መስርሕ፡ ኩሎም ቤት ምግብታት፡ ባራት፡ ስፖርታዊ ኣደራሻት፡ ቤተ ምዘክራት ካልኦት ህዝባውያን ቦታታትን ክዕጸዉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ዓበይቲ ተመሃሮ ድማ ንንውሕ ዝበለ እዋን፡ ብመንገዲ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ውሳነ ዕጽዋ ንኸተመሓላልፍ ትጽቢት ይግበር

ሃገረ ፊንላንድ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር፡ ውሳነ ዕጽዋ ከተመሓላልፍ ምዃና ሎሚ ሰኑይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ጋዜጣዊ መግለጺ ክተሕብር እያ። ብመሰረት YLE፡ እቲ ተመደቡ ዘሎ መስርሕ ዕጽዋ፡ ንቤት ምግብታትን ባራትን፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ዝጅምር ንሰለስተ ሳምንታት ዝጸንሕ ክዕጸው፡ ቤት ትምህርታት ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብናይ ርሕቀት ኣገባብ ክምህራ፡ ኣብ ልዕሊ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ናብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ዝግበር ምብጻሕ ትርር …

Read More »

ሶማልያ፡ ናይ “ሞባይል ማኒ” ኣገልግሎት ክትህብ እያ

ሰብ መዚ ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት “ሞባይል ማኒ” ምሃብ ምጅማሮም ዝሓለፈ ቐዳም ኣፍሊጦም። እዚ ድማ ነቲ ብሰፊሑ፡ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ክፍሊት፡ ስርዓት ንምትሓዝ ክውዕል እዩ ተባሂሉ። ማእከላይ ባንክ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴለኮምኒኬሽን ዝኾነ፡ ሖርሙድ ተሌኮም፡ ፍቓድ ንግድ ከም ዝሃቦን እዚ ድማ ካብ 3 ሚልዮን ክሳብ 3.6 …

Read More »

እማመ “ናይ ክታበት ፓስፖርት” ኣብ ወርሒ መጋቢት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ወርሒ መጋቢት፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ከመይ ከምዝመሰል፡ ውዱእ እማመ ክቐርብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ኦርሶላ ቮን ደር ሌይን፡ ተመባጺዓ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተር ገሊጹ። ኣብ ደቡብ ኤውሮፓ ዝርከባ፡ ዝዓበያ ናይ ቱርዝም ሃገራት፡ ንጉዳይ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ብዓቢ ተገዳስነት ዝከታተለኦን ዝደፍኣሉን ዘለዋ እየን። ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ብመንገዲ ኦንላይን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ንጉዳይ …

Read More »

ስነ ኣእሙራዊ ጸቕጢ ንዘጋጥሞም ሰባት ሓገዝ ዝህብ ተወሳኺ መስመር ንኽምስረት ጠለብ ቀሪቡ

ብስነ ኣእሙራዊ ጸቕጢ ንዝሳቐዩ ሰባት፡ ብሃገር ደረጃ ሞያዊ ሓገዝ ዝህብ ተወሳኺ መስመር ቴሌፎን ንኽኽፈት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ክብል ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ መስመር ተሌፎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዝተደወልዎ 730 ሽሕ ጻውዒታት፡ ንሓደ ሲሶ ጥራይ ክምልስ ከምዝኸኣለ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ተወሳኺ ብደረጃ ሃገር ዝወሃብ ናይ ተሌፎን ሞያዊ ሓገዝ፡ ነቲ ዝምለስ ብዝሒ ጻዊዒታት ዝውስኽ ኮይኑ፡ ተወሰኽቲ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ተዓቚቡ ዝነበረ መንእሰይ ንግዳም ወጺኡ

ናብ ሃገሩ ከይስጎግ ብምባል ን3 ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቤት መቕደስ ሚዙሪ ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሆንዱራሳዊ ስደተኛ ካብቲ ቤተክርስትያን ወጺኡ’ሎ። እዚ ኣሌክስ ጋርሲያ ዝስሙ መንእሰይ፡ ነቲ ምምሕዳር ባይደን፡ ዝሃቦ ቃል ተኸቲሉ እዩ ብረቡዕ ንግዳም ወጺኡ ዘሎ። ምርዑውን ኣቦ ሓሙሽተ ቘልዑን ዝኾነ ጋርሲያ፡ ኣብ እዋን ምምራቕ ምምሕዳር ትራምፕ 2017 እዩ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ። እንተኾነ ግን ትራምፕ ብዝተኸተሎ ትርር ዝበለ ጸረ ስደተኛታት ፖሊሲ፡ ናብ …

Read More »

Harmony Media News 26-02-2021

Read More »

ሱዳን፡ ን184 ሽሕ ተፈናቐልቲ ህጹጽ ሓገዝ መግብን መጽለልን ትሓትት

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ዳርፎር ኣብ ዝተኻየደ ኲናት እተፈናቐሉ ልዕሊ 180 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ከም ዘድልዮም፡ ማእከል ኣህጒራዊ ምክትታል ተፈናቐልቲ (IDMC) ሓቢሩ። መንግስቲ ሱዳን፡ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምሽራኽ ነዞም ተፈናቐልቲ ዘድሊ ናይ መግብን መጽለልን ረድኤት ንምቕራብን ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ንምትግባርን ክሰርሕ፡ እዚ ኣብ ስዊትዘርላንድ ዝመደብሩ ውድብ ጸዊዑ’ሎ። ብመሰረት እቲ ዝኸተሞ ውዕል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com