Saturday , April 27 2024

ኦስሎ፡ መስርሕ ዕጽዋ ጀሚራ

ርእሰ ከተማ ኖርወይ፡ ኦስሎ፡ ካብ ሎሚ ዕለት 01 መጋቢት ጀሚራ ክሳብ 15 መጋቢት ዝጸንሕ ዕጽዋ ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብ 50% ክሳብ 70%  ናይ ሓደስቲ መልከፍቲ፡ ብብሪጣንያዊ ኮሮና ዝፍለጥ ጅር (ዓሌት)፡ ዝሰዓበ ምዃኑ ብምፍላጡ እዩ። ብሪጣንያዊ ጅር፡ ካብቶም ካልኦት ዓይነታት ኮሮና፡ ዝፈልዮ ነገር እንትድኣ ሃልዩ፡ ቅልጡፍ ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕሚ ዘለዎ ብምዃኑ እዩ።

ኣብያተ ንግድን ቤት ምግብታትን ድማ ኣብ እዋን’ዚ መስርሕ፡ ዕጽው ክኸውን ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ናይ መግቢ ዱኳናት፡ ፋርማሲታትን መፍረ መስተ ወይኒ (Vinmonopolet) ካብቲ ዕጽዋ ነጻ ምዃነን ድማ ብምውሳኽ ሓቢሩ። ኣብ ደገ ዝካየዱ ንጥፈታት ውን ኩልኩላት እዩም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com