Monday , May 6 2024

ስራሕን ቁጠባን

ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ዝኾነ ሰብ፡ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፉ

ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምናን መስራቲ ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን ማስክ፡ ናብ ሽወደን ኣብ ዝበጻሓሉ እዋን፡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈ ሓቢሩ። እዚ ኣሜሪካዊ ሃብታም፡ ብናይ ውልቂ ነፋሪቱ፡ ኣብ መጀምርያ ናይ ወርሒ ሕዳር ናብ ሶርምላንድ ከምዝመጸ መርበብ ሓበሬታ SVT ገሊጹ። ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን፡ ማስክ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስካቭስታ ድሕሪ ምውራዱ ቀጺሉ ናብ ኢስክሊስቱናን ኣብ ፍሉይ ጽምብል ንምስታፍ ድማ ናብ ኣደራሽ Stora Sundby ኣትዩ ከምዝነበርን …

Read More »

ዓዲ እንግሊዝ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ኣይክህልዋን እየን ትብል

ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዘሎዋ ዓሰርተ ዓመታት፡  ብበንዚንን ናፍታን ዝንቀሳቐሳ መካይን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መስመራት ክእለያ ዘኽእል ሃገራዊ መደብ ከምዝተሓንጸጸ መንግስቲ እታ ሃገር ኣዉጁ፣ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ መደብ ኣካል ናይቲ ምሕላዉ ከባቢ ዝተባህለ ፖሊሲ እታ ሃገር ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Read More »

ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምስ ወነንቲ ኩባንያታት ክግበር ዝጸንሐ ዘተ ብምቁራጹ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዓቢ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ካብ ዕለት 27 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ፡ 2200 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ካብ ስረሖም ደው ክብሉ እዩም። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ዮሃን ሊንድሆልም፡ እቲ ስራሕ ደው ናይ ምባል ተቛውሞ፡ ምስ ገበን ደው ንኽብል፡ …

Read More »

ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ካብ ኩባንያ ፋይዘር (Pfizer) ክትገዝእ ምዃና ተሰማሚዓ

ሽወደን ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብምዃን፡ ካብ ኩባንያታት ፍይዘርን ባዮኤንቴክን መድሃኒት ክታበት ክገዝኣ ከምተሰማምዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብመሰረት ስምምዕ፡ ሽወደን፡ ን2.3 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት፡ ዝኣክል 4.5 ሚልዮን መድሃኒት ክታበት ክትገዝእ ምዃና ተፈሊጡ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኩባንያታት ፋይዘርን ባዮኤንተክን፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ በጺሑ ዘሎ ኣድማዕነቱ 90% ዝኾነ ክታበት ከምዘፍረዩ …

Read More »

ኣብ ትካላት H&M ድሕሪ ዝተራእየ ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ሚኒስተር፡ ብፍጹም ቅቡል ኣይኮነን ትብል

ኣብ ትካላት H&M፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ቪድዮ ብጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ምስ ተዘርገሐ፡ ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነት፡ ኦሳ ሊንድሆገን፡ (ሚልዮፓርትያት) በቲ ዝረኣየቶ ብጣዕሚ ከምዝተተንከፈት ገሊጻ። ኣንጻር ዓሌታዊ ምፍልላይ ዝቐንዐ ሕጊ ኣለና፡ ኣስራሕቲ ድማ፡ ሓላፍነት ናይቲ ብኣባላቶም ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዝፍጸም ዓሌታዊ ምፍልላይ፡ ክስከሙ ከምዝግባእ ገሊጻ። ዝኾነት ኩባንያ፡ ዓማዊላ ዓሌታዊ ምፍልላይ እንተድኣ ኣጋጢምዎም፡ ክትቅጻዕ ከምዝግባእን ዝኾነ ዓሌታዊ ምፍልላይ ዘጋጠሞ ዓሚል ድማ ናብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 16 November 2020

Read More »

ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣብ ትካላት ኩባንያ (H&M)

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ትካላት ኩባንያ ኤች ኤም (H&M) ተቖጺሮም ዝሰርሑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከምዘርእዩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት፡ ኣብቲ ፍሉይ መደቡ “ መደብ 200 ሰከንድ” ኣቃሊዑ። ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት H&M፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣሎ ኢሉ ድሕሪ  ምዝራቡ፡ ብወገን ኣፍቶንብላደት፡ ምጽራይ ንኸካይድ፡ ንመደብ 200 ሰከንድ (sekunder 200)፡ እቲ ዕማም ከምዝወሃብ ጌሩ። ኣብ መጀምርያ፡ …

Read More »

ብዝሒ ናይ ካልእ ሃገር መቦቆል ዘለዎም ኣባላት ቦርድ ዳይረክተራት መንግስታዊ በዓል መዚታት፡ ትሑት እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ መጽሔት ፓብሊክት ከም ዘመልከቶ፡ ትሕቲ 5% ካብቶም ኣብ ቀንዲ 30 ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ዝሰርሑ ኣባላት ቦርዱ ዝኾኑ ሰባት፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም እዮም ተባሂሉ። ብመሰረት ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡ ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ 21% ከም ዝበጽሕ ሓቢሩ። ብመሰረት መግለጺ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን፡  ናይ ካልእ ሃገር መበቆል ዘለዎ ማለት፡ እቲ ሰብ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ወይ ወለዱ ካብ …

Read More »

ሓደ ሽወደናዊ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሁዋዊ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ኣልዒሉ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናዊ ኩባንያ  ሁዋዊ፡ ተበይኑ ዝጸንሐ እገዳ ጨረታ 5G ከምዘልዓሎ ተፈሊጡ። ኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደናዊ በዓልመዚ ፖስታን መራኸቢታትን ብዘቕረቦ ክሲ መሰረት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ርእዩ፡ ኣብዚ ውሳኔ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ። በዓል መዚ ፖስታን መራኸቢታትን ሽወደን፡ ንኩባንያ ሁዋዊ፡ ኣብ ጸሊም ዝርዝር (ሊስታ) የእትይዎ ምንባሩ ይዝከር። ክሳብ ዝቕጽል ውሳነ ዝስዕብ፡ ገለ ክፋላት ናይቲ እገዳ፡ ክለዓሉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 11 11 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com