Saturday , April 27 2024

ኬንያ: ሓንቲ ከተማ ብዂለንትናኣ ንጣልያን ትመስል

ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ማሊንዲ ኣብ መበል 13 ክ/ዘመን እያ ተደኲና። እዛ ካብ ሞምባሳ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 120 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ መዘናግዒት ከተማ ማሊንዲ ካብ 1960ታት ንደሓር “ንእሽቶ ኢጣልያ” ተባሂላ እያ ትጽዋዕ።

እዛ ናይ በጻሕቲ ከተማ ብናይ ጣልያን ኣብያተ መግቢ፥ እንዳ ፒዛ ድሊን ጀላቶን ዝደመቐት ኮይና ኣበየ ጎደናኣ ድማ ብቋንቋ ጣልያን ዝተጻሕፉ ዓበይቲ ቢልቦርድ ይረኣያ። ኣብዛ ከተማ፡ ናይ ጣልያን መወራረዲ መስተታት ሊመኖቸሎን ኣማሮን እውን ግኑናት እዮም።

ዝበዝሑ ተቐማጦኣ ቋንቋ ጣልያን ከም ቋንቋ ኣዲኦም እዮም ዝመልክዎ። ካብ ዘወርቲ ቦዳ ቦዳ ክሳብ ጀለብቲ ኲላቶም ነቲ ቋንቋ ዝመልክዎ እዮም። ናይታ ከተማ ናይ ዕድጊ ቋንቋ ጣልያነኛ እዩ።

ኣብዛ ከተማ ብተወለድቲ ጣልያን ዝውነኑ ዓበይቲ ዱካናት ኣለዉ። ብዘይካዚ ክዘናግዑ ኢሎም ዝመጹ ዓሰርተትታ ጣልያናውያን ምርኣይ ልሙድ እዩ። እዚ ይዂን እምበር፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ፡ ዓሌትነት እናሳዕረረ ይመጽእ ምህላዉን እቶም ጸዓዱ ገበን እንተፈጸሙ እውን ተሓታትነት ዝወሓደ ምዃኑ እቶን ደቀባት የማርሩ።

ናብታ ከተማ ፈለማ እግሮም ዘንበሩ ኢጣልያውያን ኢንጂነራትን ተመራመርቲን ምንባሮም፡ ድሕሪ ግዜ ግን ናብቲ ገና ምስ ጽሬቱን ዘይተተንከፈ ባህርያዊ ሃብቱን ዝርከብ ገማግም ውቅያኖስ፡ ምስፋር ምጅማሮም ይግለጽ። ብፍላይ ኣብ 1970ታት ኣብ ማሊንዲ ቀዋሚ ናይ ንግድ ትካላት ብምኽፋት ኣብ ዕድላት ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ከም እተዋፈሩ እቶም ደቀባት ይዝክሩ።

ኣብዛ ከተማ፡ ሆቴላት፡ ኣብያተ መግብን ናይ ገማግም ቪላታትን ብምዃን ሓደ ገዚፍ ኣካል ቊጠባ እታ ከተማ ምዃን ጀሚሮም። ብፍላይ ኣብ 1980ታት ምስ ምጒልዕላዕ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም፡ ቊጽሪ ኢጣልያውያን ነበርቲ እታ ከተማ፡ 4 ሽሕ ከም ዝበጽሐን ዓመታዊ 30 ሽሕ ካልኦት ኢጣልያውያን ድማ ምብጻሕ ይገብሩ ምንባሮም ጸብጻባት ምምሕዳር እታ ከተማ የመልክቱ። ድሕሪ ግዜ ከምኒ ኣመንዝራነትን ናይ ማፍያ ውዳበን ዝበሉ ኣሉታዊ ምዕባለታት ተቐልቂሎም ምንባሮም እውን ይግለጽ።

ኣብ ዓመተ 2011፡ ብቀርሰንቲ ሶማልን ግብረሽበራውያንን ዝረዓዱ ዝበዝሑ ኢጣልያውያን ትካላቶም ሸይጦም ካብታ ከተማ ግዒዞም ቊጽሪ በጻሕቲ ድማ ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ። ኣብዚ ሰዓት ምስ ምምጻእ ኮቪድ-19 ንእሽቶ ኢጣልያ ከቢድ ቊጠባዊ ብድሆ ኣንጸላልይዋ ምህላዉ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ኣብ ዘስፈሮ ነዊሕ ጽሑፍ ኣዘንትዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com