Monday , May 13 2024

ማዕረነት መስል ምርጫ ዝተረጋገጸሉ ንምዝካር፡ ኣብ ቴምብር ሰፊሩ

ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመጀመርያ ግዜ ድምጸን ክህባ መሰል ዝረኸባሉ ናይ 1921 ምርጫ፡ ሎሚ መበል 100 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። ፖስትኖድ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ መስል ምርጫ ንምዝካር፡ ሓድሽ ቴምብር ከምዝዘርገሐ ሓቢሩ።

እቲ ቴምብር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ዘካይዳ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዘ ምዃኑ፡ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ቴምብር፡ ካብ ኮንስትፋክ (Konstfack) ብማስተርስ ድግሪ ዝተመረቓ፡ ቤታ ቦሽ (Beata Boucht) ዝተሳእለን፡ ብኤቫ ዊልሶን (Eva Wilsson) ዝተነድፈን ምዃኑ፡ ፖስትኖርድ ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ቴምብር፡ ካብ ዕለት 21/04/2021 ጀሚሩ፡ ኣብ ዕዳጋ ክዝርጋሕ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com